ልምዓት ከተማታትን ስግግር ዲጂታልን ንሃገራዊ ዕቤት

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ መዲና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ዘሎ ልምዓት ኮሪደር መልክዕ ከተማታትና ብልዑል ቅልጣፈ እናቐየረ ይርከብ።

እዚ ዓብዪ መሰረተ ልምዓት ከተማታት ኣብ ምዝማን፣ ንነበርቲ ምቹው ከባቢ ኣብ ምፍጣርን ናብራ ህዝቢ ኣብ ምዝማንን ልዑል ስጉምቲ ተገይሩ ይውሰድ።

ቅድም ከብል ብቐንዱ ንተሽከርከርቲ ጥራሕ ኣብ ግምት ብምእታው ይህነፁ ዝነበሩ መገድታት ተመሓይሾም፤ ሰፋሕቲን ደረጅኦም ዝሓለዉን ናይ እግረኛ መገድታት መስመራት ብሽክለታን ተሃኒፆም እዮም።

መልክዕ እታ ከተማ ዝቕይሩ መዘናግዒታትን ስራሕቲ ልምዓትን ገማግም ሩባታትን ዝተወገኑ እንትኾኑ፤ ካብዚ ብተወሳኺ ዘበናዊ መብራህቲ መገዲ ምትካሎም ከተማታት ብዓይኒ ምርኣይ ማራኺ ካብ ምግባር ሓሊፉ ንድሕንነት ከተማታትን ነበርቲን ዓብዪ ኣበርክቶ እናገበሩ ይርከቡ።

ንጉዱኣት ኣካላት ምቹዋት ዝኾኑ መገድታት፣ ህዝባዊ መናፅሂ ቦታን ዘበናዊ ተርሚናላትን ምህናፆም ደረጃ ኣነባብራ እታ ከተማ ኣዕብዩዎ እዩ፤ እዚ ልምዓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ እንተይተደረተ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልላት እውን እናተስፋሕፈሐ ይርከብ።

ካብ ልምዓት ኮሪደርን ልምዓት ወሰን ሩባታትን ብተወሳኺ ዲጂታላይዜሽን ኣብ ግምት ዘእተዉ ስራሕቲ ልምዓት ከተማታት፤ ከተማታትና ብዓለም ለኸ ደረጃ ተወዳደርቲ ንምግባር ዘደንቕ ጅማሮ እዮም።

ህንፀት ዲጂታል ከተማታት ብፍላይ ድማ ኣብ ሓደ ማእኸል ኣገልግሎት መሶብ ቢሮክራሲ ንምንካይን ቅልጡፍ ኣገልግሎታት ተበፃሒ ንምግባርን ወሳኒ መሳርሒ ኮይኑ ኣሎ።

ምስፍሕፋሕ ዲጂታል ኣሰራርሓ ግልፅነት ዝጎደሎም ኣሰራርሓታት ብምውጋድ ቀዳዳት ግዕዝይና ይዓፁ፤ ሃፍቲ ህዝቢ ካብ ብኽነት ካብ ምድሓን ሓሊፉ ኣብ መንጎ ዜጋታትን መንግስቲን ዘሎ ምትእምማን የጠናኽር።

ብሓፈሻ ልምዓት ኮሪደር፣ ምቕራብ ሃገራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነትን ኣንፃር ግዕዝይናን ዝካየድ ልዑል ቃልሲን ኣካላት እቲ ልምዓት እዮም።

እዚ ድማ ዘበናውነት ከተማታት ኣነባብራ ዜጋታት ዘመሓይሽ እንትኸውን፤ ምዝርጋሕ ዲጂታል መለለዪ መንነት ብምቅልጣፍ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ግልፅነት ብምፍጣርን ዕድላት ግዕዝይና የፅብብ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

Comments (0)
Add Comment