ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ንተኸታታሊ ክልተ መዓልታት ከነካይዶ ዝፀናሕና ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ገምጋም ኣፈፃፅማ ምምሕዳር ከተማና ዛዚምና።
ኣብ ገምጋምና ድማ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ነበርቲ ከተማና ዝሃቡና እምነትን ዝሃቡና ሓላፍነትን ብተኣማንነት ንምውፃእ ብዝኣተናዮ ቃል መሰረት፤ ኣብ ኩነታት መነባብሮን ተረባሕነትን ነበርትና ለውጢ ዘምፅኡ፣ ንቀፃሊ ስራሕትና ጋህዲ መሰረት ዝኾኑ ውፅኢታውያን ተግባራት ምፍፃም ከም ዝኸኣልና ገምጊምና።
ንዓወት ኣፈፃፅማና መሰረት ዝኾኑ ኣብ ከተማና ዝተፈጠረ ትግሃት ስራሕ፣ ብተኣማንነት ናይ ምግልጋል ባህሊ፣ ብኣምር መደመር ብቕልጡፍን ብፅፈትን ናይ ምፍፃም ልምዲ ከምኡ እውን ግዘ እንተየባኸነ ትልሚ ናብ ተግባር ናይ ምልዋጥ ዓቕምና እዮም።
ስራሕቲ መንግስቲ መደመር ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ብዝፈጥር መገዲ ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ፣ እቲ እዋን ዝሓቶ ኣወዳድባ ብምምሕያሽን ውፅኢት መሰረት ብምግባርን ሓደሽቲ ምደባታት ኣመራርሓ ክነካይድ ክኢልና ኢና።
ኣብ ትልሚ 90 መዓልታት ናይ ክረምቲ ስራሕቲ ወለንታ፣ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ህንፀት ኣባይቲን ኣብ ዝተበላሸዉ ከባቢታት ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲን ኣካይድና ኢና።
ፀገም መንበሪ ገዛ ዘለዎምን ብምኽንያት ልምዓት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉን ዜጋታት ፅሩያትን ክብሪ ዜጋታት ዝሕልዉን ኣባይቲ ክረኽቡ እውን ሰሪሕና ኢና።
ትሑት እቶት ንዘለዎም ነበርቲ ፀቕጢ መነባብሮ ንምንካይ መኣዲ ናይ ምክፋል ስራሕቲ ኣካይድና ኢና። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ እዋን ክረምቲ ህንፀት ኣይካየድን እዩ ዝብል ነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ኣተሓሳስባ ብምልዋጥ፣ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ክነካይድ ክኢልና ኢና።
ኣብ ዘፈር መሰረተ-ልምዓት ትራንስፖርት እውን ኣርባዕተ ዓበይቲ ማእኸላት መዕረፊ መካይንን ተርሚናላትን ናብ ስራሕ ኣእቲና ኢና። ሓደሽቲ መንገድታት፣ መገድታት እግረኛን ብሽክለታታትን፣ መስመራት መውፅኢ ማይን ፈሳሲ ርስሓትን ብምህናፅ ኣብ እዋን ክረምቲ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ውሕጅ ንምንካይ ኣብ ህይወት ሰባት ዝበፅሕ ዝነበረ ሓደጋ ሞት ንምክልኻልን ጭቡጥ ስራሕቲ ሰሪሕና ኢና።
ኣብ እዋን ክረምቲ ዝህሉ ፀቕጢ መነባብሮ ንምንካይ ኣብ ሸውዓተ ማእኸላት ዕዳጋ ሰፊሕ ቀረብ ፍርያት ናብ ከተማና ክኣቱ ብምግባር፤ ምኽባር ናብራ ንምንካይ ሰሪሕና ኢና። ዕዳጋታት ቀዳምን ሰንበትን እውን ደረጀኦም ክነዕቢ ክኢልና ኢና።
እዚኦም ሓዊሱ ኣብ ዘፈራት ልምዓት ሰብ ማእኸል ዝገበሩ ዘካየድናዮም ተግባራት ማሕበራዊ ፍትሒ ንምዕሳል ልዑል ግደ ነይሩዎም። ብተመሳሳሊ፣ ኣብ መንጎ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝረኣዩ ኣፈላላይት ኣፈፃፅማ ብመስርሕ ደገፍን ክትትልን ካብ መሰረቶም ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኢና።
እንሰርሖም ኩሎም ስራሕቲ ብመንፅር ህንፀት ትካላት ልዑል ትኹረት ዝሓቱ እዮም። ዝተበታተነ ዓቕሚ ራኢ ኣየሳኽዕን እዩ፤ ሃገር እውን ኣይሃንፅን እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ብግልፂ ዝተነፀረ ግደ ስራሕን ተሓታትነትን ክህልዎ ብኣምር መደመር ተዋዲዱ ዝሰርሐሉ ኣሰራርሓ ምጥንኻር ይግባእ።
ረብሓ ህዝቢ ቀዳምነት ዝህብ፣ ክብሪ ዜጋታት ዝሕሉን ጭቡጥ ውፅኢት ዘምፅእን ስራሕ ክንሰርሕ ኢና!