ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መፅሄት ታይም ኣብ ዝፀሓፎ ሰፊሕ ትንታነ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ልእኽቶኡ ንምዕዋት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከም መሰረታዊ ማእኸል ኢነርጂ ብምዃን ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ ኣመልኪቱ።
እቲ ኣህጉራዊ ናፃ ዞባ ንግዲ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝኾነ ህዝቢን ግዙፍ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲን ብምውህሃድ፣ ኣፍሪካ ናብ ሓደ ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ኢኮኖሚያዊ ዕዳጋ ንምልዋጥ ዓብዪ ራኢ ሰኒቑ ኣሎ።
ነዚ ራኢ ብብቕዓት ንምዕዋት፣ ዘተኣማምን፣ ተወዳዳሪን ዓቕሚ ዘለዎን መሰረተ ልምዓት ኢንዱስትሪ ምህናፅ ግድን እዩ።
ብዛዕባ እዚ መፅሄት ታይም ከም ዝገለፆ፤ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ እቲ ናፃ ዞባ ንግዲ ስርዓት ካብ ሰነድ ሓሊፉ ብጭቡጥ ንምዕዋት ዕዙዝ ግደ ኣለዎ።
ከም ፀብፃብ እቲ መፅሄት፤ እቲ ግድብ ንኣህጉር ኣፍሪካ ዝሕደስ ኢነርጂ ዓንዲ ሑቐ ኮይኑ ከገልግል ዝኽእል ወሳኒ መሰረተ ልምዓት እዩ።
ኣህጉራዊ ንግዲን ዕቤት ኢንዱስትሪ ንምቅልጣፍን ብቑዕን ብትሑት ወፃኢ ዝርከብን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘድሊ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰንኪ ከቢድ ሕፅረት ሓይሊን ክባር ታሪፍ ኤሌክትሪክን ፋብሪካታት ንኽርዩ ብምሉእ ዓቕሞም ንምንቅስቓስ ልዐል ፈተና ዝገጠመን ሃገራት ፍታሕ ከም ዝደልያ ኣመልኪቱ።
እቲ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘፍርዮ ዝሕደስ ሓይሊ ኤሌክትክ ንምብራቕ ኣፍሪካን ጎረባብቲ ዞባታትን ብሰፊሑ ተበፃሒ ብምዃን ንፋብሪካታት፣ ንመሰረተ ልምዓት ትራንስፖርት፣ ከምኡ እውን ንመስመራት ሎጂስቲክስ ቀንዲ ፍልፍ ኢነርጂ ክኸውን እዩ ክብል እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።
እዚ ድማ ናይ መፍረዪ ፍርያት ወፃኢታት ብልዑል ደረጃ ብምንካይ ኣፍሪካውያን ፍርያትን ኣገልግሎትን ብተመጣጣኒ ዋጋን ብልዑል ፅሬትን ንኽለዋወጡ መገዲ ዝኸፍት ምዃኑ ኣብቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።
ግድብ ህዳሰ ኣህጉራዊ ሓድነትን ዞባዊ ምትእስሳርን ብተግባር ዘጠናኽር ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ፀብፃብ፤ ኤሌክትሪክ ሓይሊ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ከባቢ ምስግጋር፣ ሃገራት ዘለወን ምትእስሳር ሓይሊ ከም ዘጠናኽርን ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምትሕብባር ዝያዳ ከም ዘቀላጥፍ ኣብሪሁ።
ኣፍሪካ ብኢነርጂን ብመሰረተ ልምዓት ንግድን ምትእስሳር ኣህጉራዊ ሓድነት ዝያዳ ንምጥንኻር ቁልፊ ጉዳይ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዘለዎ ግደ ኣዝዩ ዓብዪ ምዃኑ ገሊፁ።
እቲ ግድብ ንኢኮኖሚያዊ ናፅነትን ብርእሰ-ምርኮሳ ናይ ምቛምን ራኢ ኣፍሪካ ዓብዪ ዓቕሚ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፤ ራኢ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ጋህዲ ንኽውን ውሕስነት ኢነርጂ ብምሃብ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ሓባራዊ ዕቤት ንምስግጋር ድልድል ከም ዝኸውን መፅሄት ታይም ኣብ ፀብፃቡ ፅሒፉ።
ብኣብርሃም ኣበራ