ዓወት ልምዓት ኢትዮጵያ ስርናይ ብዓይንና ርኢና ኣረጋጊፅና – ኣፍሪካውያን ክኢላታት እቲ ዓውዲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፍሪካውያን ተመራመርቲን ክኢላታት እቲ ዓውዲን ዓወት ልምዓት ስርናይ ኢትዮጵያ ብዓይንና ርኢና ኣረጋጊፅና ኢሎም።

ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ትራንስፎርሜሽን ስርናይ ምቅልጣፍ፣ ቴክኖሎጂታት ምስፋሕን ብሄራዊ ስርዓታት ዝራእቲ ንምጥንኻርን ዘድሀበ ዓለም ለኸ ዓውደ መፅናዕቲ ይካየድ ኣሎ።

ኣብዚ ዓውደ መፅናዕቲ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ተመራመርቲን ክኢላታት እቲ ዓውዲን ዝተሳተፉ ኮይኖም፤ ኣብ ኣሰላ ዝርከብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ቁሉምሳ ዝራእቲ ስርናይ ብምብፃሕ ተዓዚቦም።

ኣብ ዑደቶም ድማ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ልምዓት ስርናይ ዝተመዝገበ ውፅኢት ዘደንቕን ንካልኦት ሃገራት እውን ኣርኣያ ክኸውን ዝኽእልን እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ፍርያት ስርናይ ርእሳ ንምኽኣል ዝገበረቶ ፃዕሪ ካብ ወረ ሓሊፎም ብተግባር ከም ዝረኣዩ እዚ ድማ ንኣፍሪካ ዓብዪ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብ ኣፍሪካ ብምግቢ ርእስኻ ንምኽኣልን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፍርያት ስርናይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምትካእን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ መንግስቲን ትካላትን ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ገሊፆም።

ማእኸል ምርምር ቁሉምሳ ምሩፅ ዘርኢን ቴክኖሎጂታትን ንሓረስቶት ኣብ ምቕራብ ዝፈጠሮ ሓያል ርክብ ምስ ሓረስቶት ዘደንቕ ምዃኑ እውን ኣጉሊሆም።

ብታሪኹ ለገሰ

Comments (0)
Add Comment