ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ንህዝባዊ ኣገልግሎታት መሰረት ዝኸውን ምህዳር ፈጢሩ – ኣምባሳደር ተስፋዬ ይልማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ተስፋዬ ይልማ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ንህዝባዊ ኣገልግሎታት መሰረት ዝኸውን ምህዳር ኣብ ምህናፅ ቅልጡፍ ዕቤት ኣመዝጊቡ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ጎና ጎኒ መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ኣብ ዲጂታል ፋይናንስ ኣካታቲነት ዘመዝገበቶም ዓወታት ዘጉልሕ መድረኽ ተሳቲፋ።

ኣብቲ መድረኽ ቤት ፅሕፈት ቀዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፈንድ ልምዓት ካፒታል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብሓባር ብምኳን ላዕለዎት ኣመራርሓ ዘተ ብምድላው ዕቤት ዲጂታል ኢትዮጵያ ኣቕሪቦም።

ኣምባሳደር ተስፋዬ ይልማ ኣብቲ መድረኽ ከም ዝገለፅዎ፣ ጉዕዞ ዲጂታላዊ ለውጢ ኢትዮጵያ፣ ዕቤት ዲጂታላዊ ክፍሊታትን ተሞክሮ ዲጂታላዊ መንነትን ከምኡውን ንህዝባዊ ኣገልግሎታት መሰረት ዝኸውን ምህዳር ኣብ ምህናፅ ቅልጡፍ ዕቤት ኣመዝጊቡ እዩ።

ኣማኻሪ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ሰፊሕ ቁጠባዊ ጥቕሚ ኣካታቲ ዲጂታላዊ ፋይናንስን፣ ብፍላይ ድማ ንቁጠባዊ ንጥፈት፣ ሓቋሪነትን ኣፍራይነት ንምዕባይ ዘለዎ ዓቕሚን ኣብሪሆም።

ኣብ ዕብየት ዝርከባ ሃገራት ዘሎ ፋይናንሳዊ ፃዕሪ ንምትብባዕ እውን ከም ዝደገፉ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የረድእ።

 

Comments (0)
Add Comment