ዲፕሎማስያ ኢትዮጵያ ኣብ መትከል ሓባራዊ ተጠቃምነት ዝተመስረተ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣካይዳኣ ንሰላምን ምትሕብባርን ክፉት ዝኾነ ኣካይዳ ትኽተል፤ ልዑላውነታ ግን ናብ ድርድር ኣይተቕርብን።

ዘይምስምማዕ ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ቀዳምነት እትህቦ ንዘተን ድርድርን እንትኸውን፤ እዚ ድማ ኣብ መትከል ሓባራዊ ተጠቃምነት ዝተመስረተ እዩ።

ኢትዮጵያ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብናይ ባዕላ ሃብቲን ብትዕግስቲ ህዝባ ዝተሰነየ ናይ ደምን ረሃፅን ፃዕሪ ናብ ውፅኢት ኣብፅሓቶ እያ።

ዜጋታት ካብ ድኽነት ምውፃእ፣ ዝግብኦም ናብራ ክነብሩ ምኽኣልን ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ዝተርፍ ሃብቲ ምፍጣርን ሸቶ እዚ ፃዕሪ እዩ።

ውፅኢቱ ድማ ብተግባር ዝተራእየ ኮይኑ፣ ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ኣቕርቦት ኤሌክትሪክ ኣኽኢሉ እዩ።

ኢትዮጵያ ፍልፍል ሩባ ኣባይ እኳ እንተኾነት፣ ምስ ከም ግብፅን ሱዳንን ዝኣመሰላ ሃገራት ድርድር ክትገብርን፣ ንኻልኦት ብዘይጎድእ መንገዲ ክትጥቀም ዘለዋ ድሌት ክተርኢን ፀኒሓ እያ።

ልዑላውነታን ሃገራዊ ረብሓኣን ከተኽብር ኣብ ዝግብኣሉ እዋን እውን ብተመሳሳሊ ተንቀሳቒሳ እያ።

ሕቶ መውፅኢ ባሕሪ እውን ንልዕሊ 130 ሚሊየን ህዝቢ ንዘለዋ ሃገር ናይ ህልውና ጉዳይ እምበር፣ ናይ ሕንቃቀ ሕቶ ኣይኮነን። ናይ ወፃኢን ኣታዊን ንግዳ ብወደባት ጎረባብቲ ሃገራትን ብፅቡቕ ፍቓደኝነተንን ተመርኲሳ ምክያዳ፣ ንቁጠባዊ ህልውናኣ ብድሆ ኮይኑዋ ኣሎ።

ኢትዮጵያ መውፅኢ ባሕሪ ክህልዋ ኣብ እትሓተሉ እዋን እውን ኣብ መትከል ምሃብን ምቕባልን ተመርኲሳ፣ ንሓይሊ ዘይኮነስ ንሓባራዊ ረብሓ መሰረት ብምግባር እያ ትሰርሕ።

ኢትዮጵያ ሃገራዊ ረብሓኣ ንምኽባር ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ቁጠባዊ ዓቕሚ ምህናፅ ንዓቕሚ ፅልዋኣ ዘዕቢ ብምዃኑ ቁጠባዊ ዓቕማ ንምሕያል ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ሚዛኑ ዝሓለወ ዝምድና ትሃንፅ ኣላ።

ኣባል ብሪክስ ብምዃና እውን ምስ ሃገራት ዘለዋ ሽርክነት ኣስፊሓ ኣላ።

ሃገራት ሽርክነት ክምስርታ እንከለዋ፣ ኣብ ቁጠባውን ማሕበራውን ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘሎ ዕድላት ይዓቢ።

እዚ ንኢትዮጵያ ናይ ወፍሪን ንግድን ማዕፆታት ይኸፍተላ፤ ንምህናፅ ሓያል ቁጠባዊ ዓቕሚ ድማ ወሳኒ ተራ ይፃወት።

እዚ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣካይዳ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ረብሓ ብፅንዓት ምኽባር፣ ከምኡ’ውን ብሰላምን ምትሕብባርን ብሓባር ምዕባይ ዝብሉ መትከላት ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንመላእ ኣህጉር ኣፍሪካ እውን ኣብነት ዝኸውን ተግባር እዩ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራኢ

ብቤተልሔም ግርማ

Comments (0)
Add Comment