ዴሞክራሲ ንምፅናዕ ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ ካብ ካሊእ ክትመሃር ይግባእ – ኡሁሩ ኬንያታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ዴሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ስርዓት መረፃን ንምጥንኻር ሃገራት ኣፍሪካ ኣንጀዳአን ካብ ካሊእ ልምዲ ክቐስማ ኣለወን ኢሎም ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያን ኣብ መራሒ ጉጅለ ታዓዛቢ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪካ ኡሁሩ ኬንያታ፡፡

ፅባሕ ዝካየድ መረፃ ንምዕዛብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኡሁሩ ኬንያታ ከምዝበሉዎ፤ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተኻዱ መረፃታት ናይ ምዕዛብ ተግባራት ከይዲ መረፃ ካብ ምክትታል ዝሓለፈ ኣስተዋፅኦ ኣለዎም።

መረፃ ናይ ምዕዛብ ተግባራቱ ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ልውውጥ ልምዲን ሰናይ ተሞክሮታትን ብምቕሳም ዴሞክራሲያዊ ልምዓት ምዕሳል እውን ዝተሓንፀፁ ኢዮም ኢሎም፡፡

ሕብርት ኣፍሪካ ስርዓት ዴሞክራሲ ብዝበለፀ ንምጉልባት ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ተመዓራራዪ ትምህርቲ ንምብርትታዕ ዝግበር ፃዕሪ ሓደ ኣካል ስለዝኾነ ኣብታ ኣህጉር ብዝግበሩ መረፃታት ብተዓዛብነት ከምዝሳተፍ ሓቢሮም።

መረፃ ናይ ምዕዛብ ልኡኽቶናን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ኣሰራርሓታት ልምዲ ክለዋወጣ፣ ዕዉት ኣካይዳታት ክፈልዩን ዴሞክራሲ ትካላት ከጠናኽሩን ዝኽእሉ ትምህርቲታት ንኽለማመዱ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።

ሃገረታ ኣፍሪካ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ኣህጉር ዝተሰናድኡ ናይ ምምሕዳር ስልቲታት ንምትግባር ኣብታ ኣህጉር ነባራዊ ኩነታትን ልምዲን ዝተደገፈ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዝግበር ልውውጥ ተሞክሮ ኣብታ ኣህጉር ፍሉይ ፖለቲካዊን ትካላዊን ዓውዲ ውሽጢ ዘለዉ ጉዳያት ዝፈትሑ ሃገር በቆል ዴሞክራሲዊ ልምምዳት ዘምፅእ ኢዩ ኢሎም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment