ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂ ዝተኻየደ መበል 18 ጉባኤ ብሪክስ ኢትዮጵያ ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ ዓወት ዝረኸበትሉ መድረኽ እዩ ኢሎም ምሁራት ፖለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን።
ኣብ ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ተመራማሪ ጉዳያት በዓል ብዙሕ ወገን ርክባት ኣዲስ ኣለማሁ ንፋና ዲጂታል ከም ዝገለፁዎ፤ እቲ ጉባኤ ምስተዛዘመ ኣብ ዝወፅአ ሓባራዊ መግለፂ ኢትዮጵያ ሰለስተ ስትራቴጂካዊ ሓገዛት ረኺባ።
እቲ ቀዳማይ ኢትዮጵያ ኣባል ታካል ንግዲ ዓለም ንምዃን እተካይዶ ዘላ ፃዕሪን ከይዲ ድርድርን ኣባል ሃገራት ብሪክስ ንምሕጋዝ ከምዝተስማዕምዓ ብምፅራሕ እዚ ሓገዝ ዓብዪ ዓወት ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ካልኣይ ጉዳይ ድማ ኢትዮጵያ ሙሉእ ድጋፍ ሕብረት ኣፍሪካ ረኺባ ኣብ ቤት ምኽሪ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ተወሳኺ ወንበር ንምርካብ እተቕርብ ብሕታዊት ኣፍሪካዊት ሕፅይቲ ብሪክስ ብሙሉእ ድምፂ ዝደገፉሉ ውሳነ ምዃኑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ክሌማዊ ለውጢ (COP32) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምትእንጋድ እተካይዶ ዘላ ምድላው፤ ብሪክስ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝድግፎ ምግላፁ ድማ ሳልሳይ ዓወት ዲፕሎማሲ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ኣብ ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ተወካሊት ብሪክስን ተመራማሪትን ሃይማኖት እሸቱ (ዶ/ር) ብግደአን፤ መድረኽ ብሪክስ ኢትዮጵያ ሃገራዊን ዞባዊን ረብሓታታ ዘንፀባረቐትሉ መድረኽ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ፖለቲካን ፋይናንሳዊን ውሳነታት ናይ ባዕላን ናይ ኣፍሪካን ረብሓ ብዝሐሸ ፅዕንቶ ፈጣራይነት ንኸተንፀባርቕን ስርዓት በዓል ብዙሕ ወገን ንኸተጠናኽር ዝሕግዛ እዩ ኢሎም።
እቲ መድረኽ ኣማራፂታት ወፃኢ ርክባታ ንምስፋሕን ስትራቴጂካዊ ሚዛና ንምሕላውን ከም ዘኽአላ ኣብሪሆም።
ካብዚ ብተወሳኺ መበል 18 ጉባኤ ብሪክስ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ንኸተጠናኽር፣ ኣብ ኣፍሪካ ድምፃን መሪሕነታን ንኸተዕብይን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ ምትእስሳር ንግዲን ኣማራፂታት ዕዳጋን ንኸተስፍሕን ኣኽኢሉዋ እዩ ኢሎም።
ብሚኪያስ ኣየለ