ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣቦ ወምበር ቦርድ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምዃን ከምዝተሸሙ እቲ መገዲ ኣየር ኣፍሊጡ፡፡
እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ ኣይተ ኣደም ፋራህ ሓዱሽ ኣቦ ወምበር እቲ ግሩፕ መገዲ ኣየር ብምዃኖም ዝተሰመዐና ሓጎስን ኣኽብሮትን ንገልፅ” ኢሉ፡፡
እንኳዕ ናብ ስድራቤት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብደሓን መፅኡ ብምባል፤ ሰናይን ዕዉትን ዘበን ስራሕ ንኽኾነሎም እውን ትምኒቱ ገሊፁ።