ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖለቲካዊ ኣካይዳ ዘይጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዓብዪ በሰላ ዝሓደገ ኮይኑ እዩ።
እቲ ውድብ ካብ ግዜ በረኻ ጀሚሩ ህዝቢ ትግራይ መሰረት ቃልሱ ብምግባር ዝተጓዓዘ እኳ እንተኾነ፤ ዝተኸተሎም ሜላታትን ዝወሰኖም ውሳነታትን ኣብ ነዊሕ ግዜ ረብሓ ኢትዮጵያ ልዑል ፅልዋ ኣሕዲሮም እዮም።
ብፍላይ ምስ ምስረታ ፌደራላዊ ሪፓብሊክ ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ፣ ሕቶ በሪ ባሕሪን ክፍፍል ሃፍቲን ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ እቲ ውድብ ዝቐርቡ ነቐፌታታት ብዙሓት እዮም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ በረኻ እናሃለወ ህዝቢ ትግራይ ንቃልሲ ንምንቕቓሕ ዝተጠቐመሉ ቀንዲ መሳርሒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈፀመ በደልን ጭቆናን ዝገልፅ ዝተሰሓሓተ ያታ ከምዝነበረ ታሪኽ የርኢ።
እዚ ያታ ንህዝቢ ንነዊሕን መሪርን ቃልሲ ከዳልዎ እኳ እንተኸኣለ፤ እቲ ውድብ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ ድሮ ምስ ካልኦት ሓይልታት ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሮ ናይ በረኻ ስምምዕነት ግን ኣብ ልዕሊ ሃገር ታሪኻዊ በሰላ ገዲፉ ሓሊፉ እዩ።
ደርጊ ምስ ወደቐ ዝተገብሩ ስምምዕነታት ኢትዮጵያ ናይ ቀይሕ ባሕሪ በራ ክትስእን ታሪኻዊ ኣልቦ በሪ ባሕሪ ንኽትከውን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
እዚ ውሳነ እዚ ኣብቲ እዋን ኮነ ሕዚ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓታትን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያ ከቢድ ዋጋ እናኽፈለ ይርከብ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝመርሖ ኢህወዴግ ኣብታ ሃገር ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝፀንሓሉ እዋን፣ ብሸም ትግራይ ዝነግዱ ውሑዳት መራሕቲን ሓለፍቲን እቲ ውድብ ውልቃዊ ሃፍቶም እናኣከቡን ልዑል ሃፍቲ እናኸዘኑን ከምዝነበሩ ብብዙሓት ዝቐርብ ነቐፌታ እዩ። ብኣንፃሩ ግን ንህዝቢ ትግራይ ዝተገብረ ፍሉይ ለውጢ ናብራ ወይ ዘላቒ ልምዓት ከምዘይነበረ ሓቂ እዩ።
እኳ ደኣስ መብዛሕትኡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ተመሳሳሊ ድኽነትን ናይ ሕርሻ ናብራን ክቕፅል ምግባሩ፣ ቃልሲ እቲ ውድብ ንህዝቢ ዘይኮነስ ንረብሓ ውሑዳት መራሕቲ ጉጅለ ዝቖመ ከምዝነበረ መርኣያ ተገይሩ ይውሰድ።
ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዝነበሩ ዓመታትን ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን፣ እቲ ውድብ ንህዝቢ ትግራይ ከም መከላኸሊ ብምጥቃም ዘይሕጋዊ ተግባራት እናፈፀመን ንሃገሩ እናወግአን ፀኒሑ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ጎንፂ ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ እኳ እንተተዛዘመ፤ እቲ ጉጅለ ግን ሕዚ እውን ካብ ሕማቕ ልምዱ ኣየቋረፀን። ሰላም ሃገር ንምዝራግ፣ ምስ ታሪኻውያን ፀላእቲ ወፃኢ ሃገራት እውን ብምትሕብባር፣ ንካልእ ኲናትን ፃንፂን ይዳሎ ከምዘሎ ይግለፅ ኣሎ። እዚ ኣካይዳ እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝገደደ መከራን ስቓይን ዘቃልዕ ሓደገኛ ኣካይዳ እዩ።
ብሓፈሻ፣ ፖለቲካዊ ጉዕዞ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ካብ ናይ በረኻ ዝተሰሓሓተ ያታ ቃልሲ ጀሚሩ ኢትዮጵያ ወደብ ክትስእን ክሳብ ዝበፀሐ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ድማ ስም ህዝቢ ክሳብ ንረብሓ ውሑዳት ምጥቃም ዝበፀሐ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ እቲ ውድብ ዝኽተሎ ናይ ክሕደትን ምድላው ውግእን ኣካይዳን ንህዝቢ ትግራይ እንደገና ንዝኸፍአ መከራ ዘቃልዖ እዩ።
ብምዃኑ ድማ ህዝቢ ትግራይ መሸፈኒ ናይዚ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ካብ ምዃን ወፂኡ ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓባር ብምዃን ሰላምን ሓድነትን ሃገር ንምሕላው ብሓባር ጠጠው ክብል ይግባእ።