ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ዚምባብዌን ቤኒንን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ መበል 49 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚት ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ጎኒ ንጎኒ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዚምባብዌ ፕሮፌሰር ኣሞን ሙርዊራ ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ፤ ኢትዮጵያን ዚምባብዌን ጥንኩር ታሪኻዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ተገሊፁ። ከምኡ እውን ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ፓን-ኣፍሪካኒዝምን ካልኦት ዓለም ለኻዊ ጉዳያትን ተመሳሳሊ ምልከታ ከም ዘለወን ተሓቢሩ።

ክልቲአን ሃገራት ክልተኣዊ ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝተለዋወጡዎም ዓውዲታት ስምምዕ ንምትግባር ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስተራት ንምክያድ ተሰማሚዖም።

ብተመሳሳሊ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቤኒን ኮሪን ኣሞሪ ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ  ምጥንኻር ኣብ ዝኽእለሎም ጉዳያት ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስተራት ቀደም ኢሎም ዝተፈራረሙዎም ስምምዓት ብኸመይ ናብ ተግባር ከም ዝቕየሩ ሓሳባት ተለዋዊጦም።

ቤኒን ኣብ ዘርፊ ሰብ-ሰራሽ ብልሒ ካብ ኢትዮጵያ ተሞክሮ ንምውሳድ ድሌት ከምዘለዋ እውን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment