ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣምበል ሃገራዊ ጋንታ ስዊዘርላንድ ግራኒት ዣካ ካብ ሃገራዊ ጋንታ ተኣጊዱ።
ግራኒት ዣካ ኣብ 2022 ኣብ ኣርሰናል ተፃዋታይ ኣብ ዝነበሮ እዋን ክትባት ከይወሰደ ብሓሶት ናይ ኮቪድ ሰርቲፍኬት ወሲዱ ብዝብል ከምዝተጠርጠረ ዘ ኣትሌቲክ ፀብፂቡ።
በዙይ ምኽንያት እቲ ወዲ 33 ዝዕድሜኡ ተፃዋታይ ግራኒት ዣካ ምርመራ እናተገበረሉ እንትኾን፤ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ስዊዘርላንድ ድማ ንኣምበሉ ካብ ሃገራዊ ጋንታ ወፃኢ ገይርዎ።
እቲ ፌዴሬሽን ግራኒት ዣካ ኣብ ዝመፅኡ ሰለስተ ፀወታታት ኔሽንስ ሊግ ከምዘይሳተፍ ብምግላፅ፤ እቲ ውሳነ ድማ ብሓባራዊ ስምምዕ ዝተወሰነ ምዃኑ ተገሊፁ።
ሃገራዊ ጋንታ ስዊዘርላንድ ኣብዚ ሕዚ እዋን ትኹረቱ ኣብ ዝመፅኡ ፀወታታት ኔሽንስ ሊግ ከምዝገበረ ተገሊፁ።