ግብፂ ኣብ ሓደ ዓመት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንምምላእ ካብ ዝውዕል ማይ ንላዕሊ ኣብ በረኻ ሰሃራ ተባኽን

ግብፂ ኣብዚ ኣብ ዝሰልጠነ ዓለም ካብ ዘመነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝወረሰቶ ናይ ማይ ፖለቲካዊ ልዕልና ክንከኣ ኣይትደልን እያ።

ብኣንፃሩ ድማ ኢትዮጵያ ካብ መሬታ ዝፈልፍሉ ሃፍቲታት ማይ ይትረፍ ኣልሚዓ ክትጥቀም ትኹረት ክትገብር እውን ኣይትደልን።

እታ ሃገር ካብ ቀደሙ እውን ኢትዮጵያ ሰላም ረኺባ ሃፍቲ ማያ ብትልሚ ከይተማዕብል እናገበረት ፀኒሓ እያ።

ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ግብፂ ማሕለኻታት ክትፈጥር ፀኒሓ እያ።

ኢትዮጵያ ግን እቶም ዝነበሩ ፀገማት እናተረድአት ሃፋታ ብፍትሓዊ መገዲ ብምጥቃም ሓበራዊ ምዕባለ ክህሉ እያ ትፅውዕ ፀኒሓ።

ግብፂ እቲ ግድብ ህዳሰ ተዛዚሙ ሚልየናት ኢትዮጵያውያን ካብ ፀልማት እንተውፅእን ጎረባብቲ ሃገራት እንተይተረፈ ተረባሕቲ እናገበረ እውን ነቲ ፍትሓዊ ዘይኮነ ኣውያታ ክሳብ ሕዚ ኣየቋረፀቶን።

ኢትዮጵያ ካልኦት ሃብቲ ማያት ከተማዕብልን ከትጥቀምን ከም ዘይትኽእል ገይራ ኣጀንዳ ምግባር ሕዚ እውን ቀፂላቶ ኣላ።

ግብፂ ካብ ባዕዳዊ ገዛእቲ ስምምዓት ብምብጋስ ሎሚ እውን እቲ ማይ በይና ክትውንኖ ትደሊ ኣላ።

ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ግን፣ ኩሉ ግዜ ናይ ሓባር ተረባሕነትን መትከል ፍትሒ መትከልን እዩ።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምጥቃም ናይ ምምዕባል ድሌትን ትግሃትን ንህዝቢ ካብ ድኽነት ንምውፃእ ዝዓለመ ፍትሓዊ ሓሳብንፃግባርን እዩ።

ኢትዮጵያ ብዛዕባ ፍትሓዊ ተረባሕነት ኩሉ ግዜ እኳ እንተተዛረበት፣ ግብፂ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ ሩባ ኣባይ እትረኽቦ ዓብዪ ብፅሒት ዝበዝሕ ዝበዝሕ መጠን ኣብ በረኻ ሰሃራ እናባኸነት ትርከብ።

እታ ሃገር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብማእከላይ ካብ 12 ክሳብ 17 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ኣባይ ኣብ በረኻ ሰሃራ ብዘለዉ ግድባትን ሰብ ሰራሕ ቀላያትን ኣቢሉ ብምትናን ይባኽን።

እዚ ዝባኽን መጠን ማይ ግብፂ ብሓፈሻ ካብ ሩባ ናይል እትረኽቦ ዓመታዊ ብፅሒት (55.5 ቢልዮን ኩቢክ ሜትር) ካብ 20 ክሳብ 30 ሚእታዊ ይሽፍን።

እዚ ዓብዪ ብኽነት ማይ ዝረአየሎም ቦታታት ድማ ቃላይ ኣስዋንን ቃላይ ናስርን፣ ፕሮጀክት ቶሽካ፣ ሓዱሽ ዴልታን ፕሮጀክታት መስኖ በረኻን እቶም ቀንዲ እዮም።

ግብፂ ኣብ ዓብዪ ግድብ ኣስዋንን ኣብ ቃላይ ናስርን እውን ሰፊሕ ሃብቲ ማይ ብትነት እናባኸነት ትርከብ።

እታ ሃገር ቃላይ ናስር ዝሃነፀቶ ኣብ ማእኸል በረኻ ስለ ዝኾነ፤ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሃራ በረኻ ዘሎ ኣዝዩ ልዑል ሙቐት ኣብ ዓመት ጥራሕ ካብ 10 ክሳብ 14 ቢልዮን ኩቢክ ሜትር ማይ ብትነት ይጠፍእ።

እዚ መጠን ማይ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንምምላእ እትጥቀመሉ መጠን ማይ ዝመጣጠን እዩ።

Comments (0)
Add Comment