ግድብ ህዳሰ ቀረብ ሓይሊ ብዕፅፊ ብምዕባይ ዞባዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚን ሓይሊን እናጠናኸረ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2018 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ቀረብ ሓይሊ ብዕፅፊ ብምዕባይ ዞባዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚን ሓይሊን እናጠናኸረ ይርከብ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ኣሸብር ባልቻ።

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ከም ዝገለፁዎ፤ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ፅንዓትን ሓድነትን ቆራፅነትን ኢትዮጵያውያን ብተግባር ዝተገለፀሉ ካልኣይ ዓድዋ እዩ።

ህንፀት እቲ ግድብ ኢትዮጵያ ብዓቕማ ዝለዓለ ዓወት ክተመዝግብ ከም እትኽእል ንዓለም ዘረጋገፀትሉ፣ ከምኡ እውን ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ ዝኸፈተ ዓብዪ ፕሮጀክት እዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ግድብ ተመሪቑ ምሉእ ስራሕ ካብ ዝጀመረሉ ግዘ ጀሚሩ ዓቕሚ ምፍራይ ሓይሊ እታ ሃገር ካብ ክልተ ዕፅፊ ንላዕሊ ካብ ምዕባይ ሓሊፉ፤ ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ እትረኽቦ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ እውን ብልዑል መጠን ከምዘዕበየ ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment