ጎስጓስ ሕርሻ ከተማ ኢትዮጵያ፡ ካብ ምሽማት ናብ መፍረያይነት …

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ህንፀት ልምዓ ኮሪደርን መሰረተ ልምዓትን ልዑል ለውጢ እናመዝገቡ ዝርከባ ከተማታት ኢትዮጵያ ካብ ማእኸል ፅግዕተኝነት ብምውፃእ ርእሰን ክምግባ ናብ ዝኽእላሉ መፍረያይነት እናተሰጋገራ ይርከባ።

ቅድሚ ሕዚ ጠለብ ምግቢ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ምሽማት ጥራሕ ተመስሪተን ዝነበራ ከተማታት ሎሚ ምኽባር ናብራን ናህሪ ዋጋን ንምፅዋር ሕርሻ ከተማ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ይርከባ።

ሕርሻ ኣብ ገፀር ጥራሕ ካብ ምግዳብ ወፂኡ ኣብ ከተማታት ብስፍሓት ተግባራዊ ንኽኾን ዘኽእል እዚ ሃገራዊ ጎስጓስ ኣብ ሕድሕድ መንበሪ ገዛ ዜጋ ንቀለብ ስድራቤት ዝድጉም፣ ጥዑይ ኣመጋግባ ዘዕስልን ስነ ልቦናዊ ዕግበት ዝፈጥርን ሓዱሽ ማሕበራዊ ባህሊ እናፈጠረ ይርከብ።

እቲ ጎስጓስ ተግባራዊ ኣብ ምግባርን ምዕባይን ብቕድሚት ትፅራሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣካል ዝላ ልምዓት እናወገነቶ ኣብ ትርከብ ሕርሻ ከተማ ልዑል ውፅኢት ኣመዝጊባ ኢያ።

በዚ ድማ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ጎቦታትን ልዕሊ 70 ሩባታትን ካብ ርስሓትን ብኽክለትን ተናጊፎም ሎሚ መርአያ ልምዓት ኣትክልቲን ፍረምረን፣ ኣብ ምርባሕ ንህቢን ንዓለም ለኸ ዕዳጋ ዝቐርብ ፍርያት እንጆሪን ክኾኑ ምግባር ተኻኢሉ።

እዚ ተግባር ሓምለዋይ ሽፋን እታ ከተማ ካብ 2 ሚኢታዊ ናብ 20 ሚኢታዊ ንኽሳገር ካብ ምግባሩ ሓሊፉ ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ መናእሰይ ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ኢዩ።

ምንቅስቓስ ሕርሻ ከተማ ኢትዮጵያ ካብ ውሕስና ምግቢ ውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ምስ ክሌማዊ ለውጢ ቀጥተኛ ምትእስሳር ዘለዎ ብምዃኑ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ እናትተረፈ ይርከብ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደን ልዕሊ 15 ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውወፃእፅኡ ተሳታፍቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣፈፃፅማ ሕርሻ ከተማ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ነታ ኣህጉር ከም ሓደ ልዑል ኣብነት ዝውሰድ ምዃኑ ተመስኪሩሉ ኢዩ።

ከምኡ እውን ከም ብሪክስ ኣብ ዝበሉ ዓለም ለኸ መድረኻት እታ ሃገር ጎድና ጎድኒ ሓምለዋይ ኣሰርን ኣጠቓቕማ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲን ሕርሻ ከተማ ብክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ሓምለዋይ ህንፀት ኢኮኖሚ ከም ዋና መሳርሒነት እናተጠቐመትሉ ምዃኑ ኣብነታዊ ከምዝኾነ ተላዒሉ ኢዩ።

ብዮናስ ጌትነት

Comments (0)
Add Comment