ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ትሕቲ ክልል መረፃ ጎማ 2 ጣቢያ መረፃ ከተማ በሻሻ ምድላዋተን ዛዚመን ኢሉ ቤት ፅሕፈት እቲ ክልል መረፃ።
ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ባሻዬ መስፍን ከምዝበሉዎ፥ ኣብቲ ክልል መረፃ ከተማ በሻሻ ዝርከቡ ሓዊሱ ብሓፈሻ 87 ጣቢያታት መረፃ ይርከቡ።
ናውቲ መረፃ ናብ ኩለን ጣቢያታት መረፃ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ትማሊ ከምዝተወገነ ብምሕባር፥ ሎሚ መዓልቲ ጣቢያታት መረፃ ንከይዲ ምሃብ ድምፂ ምቹው ናይ ምግባር ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
በዚ ድማ ኩሎም ጣቢያታት መረፃ ፅባሕ ንዝካየድ መረፃ ድሉዋት ኮይነን ኢሎም።
ንኣብነት ድማ ጣቢያታ መረፃ ከተማ በሻሻ ምድላዋቶም ከምዝዛዘሙ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም፡፡
ብኣቢይ ጌታሁን
#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያክትመርፅኢያ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል
#Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision