ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመሰረቱ መፍትሒ ሓሳባት ምቕራብ ይግባእ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓበራዊ ፀገማት ብምትሕብባር ንምፍታሕ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረቱ መፍትሒ ሓሳባት ምቕራብ ይግባእ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፡፡

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን “ርክብ መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰናይ ዕድላት፣ ፈተናታትን መፍትሒታትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን መድረኽ ዘተ እናካየደ ይርከብ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ሓበራዊ ፀገማት ብምትሕብባር ንምፍታሕ ትካላዊ ምኽክርን ፎረማት ምትሕብባርን ምጥንኻር ይግባእ፡፡

ዋና ዕላማ ርክብ መንግስታት ድንጋገታት ሕገ መንግስቲ ምሕላው፣ ርክብ ህዝቢታትን ምትእስሳርን ምጥኻርን ሃገራዊን ክልላዊን ትልሚታት ሚዛኖም ሓሊዮም ንኽፍፀሙ ምግባር ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ሓበራዊ ፀገማት ብምትሕብባር ንምፍታሕ ትካላዊ ፎረም ምኽክርን ምትሕብባርን ምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ መፅናዕቲ ዝተመሰረቱ መፍትሒ ሓሳባት ምቕራብ ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም፡፡

Comments (0)
Add Comment