ፃውዒት ሰላም ክሳብ ናይ መወዳእታ ደቒቓ፡ መግለፂ ሞራል ልዕልና መንግስቲ መደመር

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተፈጠሩ ፀገማት ብሰላምን ብዘተን ፍታሕ ንምምፃእ ዝገበሮ ፃዕሪ፣ ሰላም ካብ ግዝያዊ ፖለቲካዊ ስልሒት ንላዕሊ መሰረት ህልውና ሃገርን ድሕነት ህዝብን ገይሩ ዝምልከት ቅዋም ዘርኢ እዩ።

ብፍላይ ጎንፂ ንምክልኻል ዝግበር ፃዕሪ ብዙሓት ፈተናታት ኣብ ዝበዝሑሉ እዋን እውን ምቕፃሉ፣ ፖለቲካዊ ትዕግስቲ፣ ድሌት ሰላምን ንህይወት ህዝቢ ዝህቦ ልዑል ዋጋ የርኢ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ መደመር እዋን ፀገማት ሃገር ብሓባራዊ ፃዕሪ ንምፍታሕ፣ ካብ ዝሓለፉ ተመኩሮታት ትምህርቲ ብምውሳድ ንቕድሚት ንምስጓምን ዓቕሚ ሃገር ንሓባራዊ ዕላማ ንምጥርናፍን ዘኽእል ኣንፈት ኣመልኪቶም።

ኣብ መደረኦም እውን ብድሆታት ናብ ዕድላት ብምቕያርን ብሓባር ብምስራሕን ዕላማታት ሃገር ክዕወቱ ከምዝኽእሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

እዚ መልእኽቲ ምስ ከይዲ ሰላም ክልል ትግራይ ዝተኣሳሰረሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ሓባራዊ ዕጫ፣ ፍታሕ ፍልልያትን ሃገራዊ ሓድነትን ዘተኮረ ምዃኑ እዩ።

ሃገር እትህነፅ ብፖለቲካዊ ፍልልያት ብምግዳድ ዘይኮነስ ሓባራዊ ረብሓታት ብምልላይን ፀገማት ብዘተ ብምፍታሕን እዩ።

ስለዚ ፃውዒት ሰላም ክሳብ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ምቕፃሉ መፃኢ ዕድል ሃገር ካብ ሓፂር ግዜ ዝጠልብዎ ፖለቲካዊ ድሌታት ንላዕሊ ኣብ ቀዳምነት ምቕማጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልል ትግራይ ክንቀሳቐሱ ዝፀንሑ ዕጡቓት ኣፅዋሮም ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ብምርካብ ናብ ዝተዳለዉ ማእከላት ምሕዳስ ክኣትዉ መንግስቲ ፃውዒት ኣቕሪቡ እዩ።

እቶም ዕጡቓት እውን ነቲ ዝቐረበሎም ፃውዒት ሰላም ብምቕባል፣ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእከል ምዝገባ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ብምቕራብ ይምዝገቡ ኣለዉ።

ቀንዲ መትከል ኣስተሳስባ መደመር ድማ ዝተፈላለዩ ዓቕምታት ንሓባራዊ ዕላማ ምጥርናፍ፣ ኣፋላላያት ናብ ምፍልላይ ካብ ምቕያር ንምትራፍ ንሓባራዊ ረብሓ ምውዓሎምን ዝኾነ ኣካል ካብ ሃገራዊ ጉዕዞ ወፃኢ ከይከውን ምፅዓርን እዩ።

እዚ መትከል ኣብ ጉዳይ ሰላም ክትግበር ከሎ፣ ዝረኣዩ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብጎንፂ ዘይኮነስ ብምኽክር ንምፍታሕ ረብሓ ህዝቢ ቀዳምነት ንምቕማጥ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ሰላም ንምቕፃል ዘኽእል መንገዲ ይኸፍት።

ፃውዒት ሰላም ምቕፃል ግን ቀሊል ውሳነ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ እምነት እናተሸርሸረ፣ ጥርጣረታት እናወሰኹን ሓደጋ ጎንፂ እናተጋደደን ክኸይድ ከሎ ኣማራፂ ሰላም ክፍቲ ንምግባር ትዕግስትን ፖለቲካዊ ብስለትን የድሊ።

እዚ ትዕግስቲ ምልክት ድኽመት ዘይኮነስ ህይወት ሰባት ካብ ዘይትካእ ክሳራ ንምድሓን ዝግበር ሓላፍነታዊ መረፃ እዩ። ምኽንያቱ ብሰንኪ ጎንፂ ዝጠፍእ ህይወት፣ ዝዓኑ ንብረትን ዝቋረፅ ጉዕዞ ልምዓትን ናይ ሓደ ወገን ጥራይ ዘይኮነስ ሙሉእ ሃገር ዕድል ይጎድኡ።

እዚ ሓላፍነት ካብ መንግስቲ ጥራሕ ዝፅበ ዘይኮነስ፣ ኣብ ከይዲ ፅዕንቶ ዘለዎም ፅልዋ ኩሎም ኣካላት ክዋፅእዎ ዝግባእ ሓባራዊ ግድን እዩ።

ሰላም ናይ ሓደ ወገን ወይ ስዕረት ዘይኮነስ፣ ንኹሉ ወገን ዝጠቅም ሓባራዊ ውፅኢት እዩ። ፃውዒት ሰላም ክሳብ ናይ መወዳእታ ደቒቓ ምቕፃል፣ መግለፂ ትዕግስትን ሓላፍነትን ክኸውን ከሎ፣ ዓብዩ ዕላማ ናይዚ ፃዕሪ ግን ሰላም ናብ ዘላቒ ሓቒ ምቕያር እዩ።

መንግስቲ መደመር ሓባራዊ ዓቕሚ ንሃገራዊ ዕላማ ናይ ምጥርናፍ ራእዩ ኣብ ከይዲ ሰላም እውን ብተግባር ከርኢ ይፅበዮ።

ኩሎም ወገናት ኣፍደገ ዘተ ክፉት ብምግባርን ንሰላም ብተግባር ብምድጋፍን ዝገብርዎ ፃዕሪ ናይ ሎሚ ወለዶ ካብ ጎንፂ ንምድሓንን ንመፃኢ ወለዶ ዝሓሸ ሓባራዊ ዕድል ኢትዮጵያ ንምድላውን ዝሕግዝ መንገዲ እዩ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

Comments (0)
Add Comment