ፅኑዕ ሃገረ-መንግስቲ፤ ካብ ህንፀት ትካላት ክሳብ ዘላቒ ዲሞክራሲ

ኣዲስ ኣበባ፣4 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ፖለቲካዊ ብስለትን ኢኮኖሚያዊ ጥንካረን ሓንቲ ሃገር ዝምዘን ብግዝያዊ ስግግር ስልጣን ወይ ብውልቀሰባት ጥራይ ዝተወሰነ ብስለት ኣመራርሓ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ኣብ መንጎ ዘበናት ፀኒዖም ብዝቐፀሉ ሃገራዊ ትካላት ጥንካረ እዩ ዝምዘን።

ምስጢር ዕብየት ሃገራት መሰረቱ ዝንብር ንልዕልነት ሕጊን ድምፂ ህዝቢ ዘኽብሩ ትካላትን ብምህናፅ እዩ።

ውልቀሰባት ንሕጊ ተፈጥሮ ተኸቲሎም ይመፁ፣ ይኸዱን፤ ፅኑዓት ሃገራዊ ትካላት ግን ንትውልዲ ተሳጊሮም ህልውና ሃገረ-መንግስቲ የቐፅሉ።

ኢትዮጵያ ዝሓለፈትሉ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ምህዳር ናብ ዝተረጋገዐ መስመር ዲሞክራሲ ንምቕያር ኣብ ዝተገብረ ፃዕሪ፣ ሰለስተ ዋናታት ትካላት ናይ ሃገረ መንግስትና መትከል ዓንዲ ሑቐን ኮይኖም ተራእዮም።

ፈላማይ ነፃን ዘይሻራዊን ቦርድ መረፃ እንትኾን፤ ህዝቢ ብዘይ ዝኾነ ፀቕጢ ብነፃነት ዝመረፅሉን፣ ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነታት ዘለዎ ተሳትፎን ዘረጋገፅሉን ትካል እዩ።

ዘይሻራዊ ትካል መረፃ ምህላው እምነት መራፂ ህዝቢ ካብ ምህናፅ ሓሊፉ፣ ውፅኢት መረፃ ብሰላማዊ መንገዲ ንኽቕበል ዓብዩ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ካልእ ድማ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ እንትኾ፤ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ከምዚ ዓይነት ተራእዩ ዘይፈልጥ፣ ንኹሎም ክፍልታት ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ዕዉትን ታሪኻውን ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ተኻይዱ።

እዚ ከይዲ እዚ ንዘመናት ዝፀንሑ መሰረታዊ ፖለቲካውን ማሕበራውን ፍልልያት ብዝርርብን ዘተን ንምፍታሕ ዝጣየሸ መሰረት ንሃገራዊ ምርድዳእ ወሳኒ እዩ።

ድምፅን ድሌትን ህዝቢ ብቐጥታ ዝንፀባረቐሉ፣ ሃገራዊ ሕግታትን ፖሊሲታትን ዝፈልቁሉ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ድማ ወሳኒ መሰረት የንብር፡፡

ምፅናዕ እቲ ቤት ምኽሪ ንኣሰራርሓ መንግስቲ ንምቁፅፃርን ተሓታትነት ህዝቢ ንምርግጋፅን መሰረት ኮይኑ።

ተዓወትቲ ፓርቲታት ብመንገዲ ተወከልቲ ህዝቢ መንግስቲ ዝምስርቱሉ ዲሞክራስያዊ ከይዲ ጉዕዞ ሃገረ መንግስቲ ዘቃልልን ልዕልነት ሕጊ ዘረጋግፅን እዩ።

ትካላት እንተፀኒዖም፣ ፖለቲካዊ መስርሓት ግልፅታት፣ እሙናትን ሰላማዊን ይኾኑ።

ብመልካም ፈቓዱ

Comments (0)
Add Comment