ፊፋ ኣብ ፅዋዕ ዓለም 2026 ፕላስቲክ ናውቲ ናብ ስታዲየም ከይኣትዉ ኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ (ፊፋ) ኣብ ፅዋዕ ዓለም 2026 ተዓዘብቲ እቲ ውድድር ናይ ፕላስቲክ ናውታት ናብ ስታዲየም ሒዝካ ምእታው ከምዘይክኣል ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ደንቢ ተዓዘብቲ ዳግማይ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ዝኽእሉ ናይ ፕላስቲክ ናውቲ ናብ ስታዲየም ሒዞም ክኣትው ከምዘይክእሉ ተገሊፁ፡፡
ቅድሚ ሕዚ ብፕላስቲክ ናውቲ ሕዝካ ምእታው ዝፍቀድ ዝነበረ እንትኾን ፊፋ ብምክንያት ስግኣት ደሕንነት ኣሰራርሕኡ ከምዝቐየሮ ገሊፁ።
ፊፋ ዝወሰዶ ስጉምቲ ናብ ተፃወትን ዳያኑን ኣቑሑት ከይድርበ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።
Comments (0)
Add Comment