ኣዲስ ኣበባ፣4 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ንምዕባይ ኣብዝተገብረ ፃዕሪ ሓደሽቲ ኢንቨስትመንት ዝገብሩ ኩባንያታት ምዕባይ ተኻኢሉ ኢሉ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ፡፡
መራሒ ጉጅለን ፈፃሚ ስራሕ ተወካሊ ህዝባዊ ርክብን ኮሙኒኬሽንን እቲ ሚኒስቴር ካሳ ኣላምራው ንፋና ዲጂታል ከም ዝገለፅዎ መንግስቲ ብተግባር ኣብ ዝገበሮ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ሪፎርምን ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ዝሃቦ ትኹረትን ኣብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ጠንካራ መሓውራት ምምዝጋብ ተኻኢሉ።
በዙይ እውን ኣብቲ ዓውዲ ብዝተኻየዱ ተግባራት ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም 5 ነጥቢ 96 ቢሊዮን ዶላር ዝግምት ወፃኢ ምንዛሪ ክድሕን ከም ዝተኻእለ ገሊፆም።
በዚ መሰረት ኣብቲ ዓውዲ ካብ ጠቕላላ ዕቤት ሃገራዊ ውሽጣዊ ምርት ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓ.ም ካብ ዝነበሮ 6 ነጥቢ 2 ሚእታዊ ኣብ 2018 ዓ.ም ናብ 6 ነጥቢ 82 ሚእታዊ ዝዓበየ እንትኾን፤ ማእኸላይ ዕቤት ኢንዱስትሪ ድማ ኣብቶም ዓመታት ካብ 5 ነጥቢ 5 ሚእታዊ ናብ 12 ነጥቢ 7 ሚእታዊ ክውስኽ ክኢሉ።
ኣጠቓቕማ ዓቕሚ ምፍራይ ናይ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ካብ 51 ሚእታዊ ናብ 69 ነጥቢ 3 ሚእታዊ ዝዓበየ እንትኾን፤ ኣታዊ ኤክስፖርት ድማ ኣብ 2010 ዓ.ም ካብ ዝነበሮ 308 ሚሊዮን ዶላር ኣብ በጀት ዓመት 2018 ናብ 607 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝዓበየ ኣብሪሆም።
እዞም ዓወታት ንኽምዝገቡ ከም ሃገር ንዓውዲ ኢንዱስትሪ ዝተዋህበ ልዑል ትኹረት፣ ቆራፅነት ኣመራርሓ፣ ዝተተግበሩ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ሪፎርማት፣ ሓደሽቲ ስትራቴጂታትን ሕጋዊ ማዕቀፋትን ቀንዲ ምኽንያታት ምዃኖም ገሊፆም።
ብሶስና ኣለማየሁ