ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ምስ ፕሬዚዳንት ፑቲን ፊት ንፊት ንምዝታይ ሕቶ ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ምስ ሩሲያ መዘናኦም ፊት ንፊት ንምዝታይ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ንፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝፀሓፉዎ ደብዳቤ ሰላም ክመፅእ ዝኽእል ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ቀጥተኛ ዘተ ምግባር እንትከኣል ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ኲናት ሕዚ እውን ኣንፈት ትኹረት ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ክኸውን ኣይግባእን ዝበሉ ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ÷ ሙሉእ ብሙሉእ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ሓቲቶም፡፡

ክሬምሊን ብግድኡ ካብ ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ዝተልኣኸ ደብዳቤ ከምዝተቐበለ ዘረጋገፀ እንትኸውን÷ ኣብቲ ጉዳይ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን መብርሂ ከምዝህቡሉ ኣፍሊጡ፡፡

ዘለንስኪ ሕቶ ንደራደር እንተቕርቡ ንፈለማ እዋን ከምዘይኮነ ብምዝኽኻር ክሬምሊን÷ ቆራፅ ዝርርብ ክገብሩ እንተደሊዮም ናብ ሞስኮ ብምምፃእ ንፕሬዚዳንት ፑቲን ከዘራርቡ ይኽእሉ ኢዮም ክብል ምግላፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝበሉዎ÷ እቲ ኲናት ንምቁራፅ መራሕቲ ሩሲያን ዩክሬንን ፊት ንፊት ምርኻቦም ወሳኒ ኢዩ።

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment