ካቢኔ ጋና ንብሪክስ ንምፅንባር ሕቶ ንምቕራብ ዘኽእል ውሳነ ኣሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ካቢኔ ጋና ንብሪክስ ንምፅንባር ሕቶ ንምቕራብ ዘኽእል ውሳነ ኣሕሊፉ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ጋና ኣባል ብሪክስ ክትከውን ቅድሚ ሕዚ ብፕሬዚዳንት እታ ሃገር ጆን ድራማኒ ሓሳብ ቀሪቡ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር እቲ ሓሳብ ብካቢኔ ከምዝፀደቐ ኣመልኪቱ።

እቲ ውሳነ ዓለም ለኸ ሽርክነታት ጋና ንምዕባይን ንቁጠባዊ ልምዓት እታ ሃገር ተወሳኺ ዕድላት ንምፍጣርን ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጋና ሳሙኤል ኡኩዜቶ ኣብላካዋ፣ ብቐፃሊ ሃገሮም ኣባል ናይ ብሪክስ ሓድሽ ልምዓታዊ ባንክ ንምዃን ብዕሊ ደብዳበ ንክተቕርብ ኣመልኪቶም።

ኣባልነት ጋና ብሪክስ ካብ ሓደ ማሕበር ናብ ካልእ ምስግጋር ዘይኮነስ፣ ብተወሳኺ ካብቶም ሕዚ ዘለዉዋ መሻርኽቲ ምስ ካልኦት ትካላትን ሽርክነታትን ዘለዋ ዝምድና ንምጥንኻር ዝዓለመ ምዃኑ ምግላፆም ቲ አር ቲ ፀብፂቡ።

ብሚኪያስ ኣየለ

 

Comments (0)
Add Comment