ቱርኪየ ኣብ ጉባኤ ኮፕ31 ስምምዕነታት ኢንቨስትመንት 26 ቢልዮን ዶላር ኣካይዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቱርኪየ ኣብ ኣንታልያ እናተኣናገደቶ ኣብ ትርከብ መበል 31 ጉባኤ ክሊማ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ31) 26 ስምምዕነታት ኢንቨስትመንት ቢልየን ዶላር ኣካይዳ።

ቱርኪዬ ኣብቲ ጉባኤ ምስ ቻይና ቅድመ ስምምዕነት 15 ቢልየን ዶላር ምምዕባል ዝሕደስ ሓይሊ ዝገበረት እንትትከውን፤ ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ፋይናንስ ድማ ናይ 5 ነጥቢ 1 ቢልየን ዶላር ስምምዕነት ፋይናንስ ከምዝገበረት ተገሊፁ።

መብዛሕትኦም ስምምዕነታት ምስ ምዕባለ ፅሩይ ሓይሊ ዝተኣሳሰሩ እንትኾኑ፤ እዚ ድማ እታ ሃገር ካብ ቅሪት ኣካል ነዳዲ ዝፍልፍል በካሊ ጋዝ ንምንካይ እትገብሮ ልምዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምስፋሕ ሸቶታት ክሊማኣ ንምዕዋት ከምዝሕግዛ ተገሊፁ።

እቲ ፍፃመ ጎድና ጎድኒ ዋና መድረኽ ድርድር ክሊማ ንጀመርቲ ትካላት ንግዲን ዓበይቲ ናይ ንግዲ ትካላትን ምቹው ምትእስሳር ዕዳጋ ከምዝፈጠረሎም ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ኣብ ምስ ክሊማ ዝተኣሳሰሩ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ዝሰርሑ ኩባንያታት ፍርያቶም ንተሳተፍቲ ሃገራት ብምልላይ ሰፊሕ ዕድል ዕዳጋ ከምዝተፈጠረሎም ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ቅድሚ ሕዚ ጉባኤታት ኮፕ ዘተኣናገዳ ሃገራት መርሃ ግብሪ ክሊማ ብምልላይ ብቢልየናት ዶላር ዝግመቱ ስምምዕነታ ኢንቨስትመንት ከምዘሳለጣ እቲ ፀብፃብ ኣዘኻኺሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝመፅእ ዓመት መበል 32 ጉባኤ ክሊማ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ32) ከምእተተኣናግድ ይፍለጥ።

ብሃይለማርያም ተገኝ

Comments (0)
Add Comment