ፕሮጀክት መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ንጠለብ ሓይሊ እቲ ዞባ ምላሽ ዝህብ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመንግስቲ ኬንያ ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ፕሮጀክት መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ንጠለብ ሓይሊ እቲ ዞባ ምላሽ ዝህብ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ኬንያ ኣብ ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኹርናዕ ፕሮጀክት መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ተሳቲፎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝጥቀመኦ ነዳዲ መብዛሕትኡ እዋን ካብ ኣፍሪካ ወፃእ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝፈሪ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም፡፡

እዚ ድማ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ነዳዲ ፅዕንቶ ከምዝፈጥር ብምሕባር÷ ፕሮጀክት መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ብምኽንያት ዓለም ለኸ ምውሳኽ ዋጋ ዕድጊት ነዳዲ ዝበፅሐን ፅዕንቶ ዝንኪ እዩ ኢሎም፡፡

እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ናብ ዕዳጋ ሃገራት ኣፍሪካ ነዳዲ ምቕራብ ከምዝጅምር ብምሕባር÷ እዚ ድማ እናዓበየ ንዝርከብ ኢኮኖሚ እታ ኣህጉር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ገሊፆም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ንኬንያ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ብመሰረተ ልምዓት ንምትእስሳር ኣብ ዝዓለመ ከባቢ ፕሮጀክት ላፕሴት ከም ዝርከብ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ድማ ዞባዊ ንግዲታት ንምጥንኻር ከም ዝሕግዝ ኣብሪሆም።

እቲ ፕሮጀክት ንኢትዮጵያ ዞባዊ ኣማራፂታት ቀረብ ንኸተስፋሕፍሕ ከም ዝሕግዛ ብምሕባር፤ ንዞባዊ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ሓደሽቲ ዕድላት ከም ዝፈጥር ኣገንዚቦም።

እዚ ወሳኒ ዞባዊ ፕሮጀክት ንኽጅመር መሪሕነት ዝሃቡ ፕሬዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪካ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ዘካየዱ ናይጀርያዊ በዓልሃፍቲ ኣሊኮ ዳንጎቴ ንኢዶም።

ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ብዳንጎቴ ግሩፕ ዝህነፅ ፕሮጀክት መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ልዕሊ 16 ቢሊዮን ዶላር ወፃኢ ህንፀት ዝሓትት እንትኸውን፤ ኣብ 2030 ብምዝዛም ኣገልግሎት ክጅምር ትፅቢት ይግበረሉ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment