‎ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ኢስማኤል ኦመር ጊሌን ሓድሽ ዝርግሐ መመሓላለፊ መስመር ቧንቧ ነዳዲ ዕላዊ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣14 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኢስማኤል ዑመር ጊሌን ምስ ኢትዮጵያ ደወሌ ዘራኽብን ዓቢዪ ስትራቴጂካዊ ኢንቨስትመንት ዝኾነ ሓድሽ መስመር ቧንቧ መመሓላለፊ ዝተፃረየ ነዳዲ ዝርጋሐ ዕላዊ ገይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ምስ ፕሬዚዳንት ኢስማኤል ዑመር ጊሌን ኣሊኮ ዳንጎቴን ብሓባር ኣብ ጅቡቲ ዳመርጆግን ምስ ኢትዮጵያ ደወሌን ዘራኽብን ዓቢዪ ስትራቴጂካዊ ኢንቨስትመንት ዝኾነን ሓድሽ መስመር ቧንቧ መመሓላለፊ ዝተፃረየ ነዳዲ ዝርጋሐ ሎሚ ዕላዊ ጌርና ኢሎም።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ክልቲኦም ጫፋት ብዝህነፁ መደበራት መኽዘን ዝድገፍ ኮይኑ፣ እዚ ታሪኻዊ መሰረተ ልምዓት ብሓባራዊ ሽርክነት ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ዳንጎቴ ግሩፕን ክትግበር እዩ።

ወፃኢታትን ምድንጓይን ሎጂስቲክስ ብምንካይ፣ ውሕስነት ሓይሊ ከጠናኽር እዩ፤ ብተወሳኺ ድማ ፍጥነትን ዘላቕነትን መስመር ንግዲ ኢትዮጵያ-ጅቡቲ ከዕቢ እዩ ኢሎም።

እዚ መሰረተ ልምዓት ካብ ዝርጋሐ መስመር ቧንቧ መሰጋገሪ ነዳዲ ንላዕሊ፣ ንኢንቨስትመንት ኣፍሪካውያንን ብሓባር ምልማዕን ማእከል ዝገበረ፣ ንዘላቒ ዕቤት፣ ንዞባዊ ምትእስሳርን ዝያዳ ውሑስ ንዝኾነ ሓባራዊ ኢኮኖሚ ዕድል ዝገብር ሰፊሕ ኢንቨስትመንት እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment