693 ሚልዮን ብር ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ጉምሩክ ብዝገበሮ ክትትል ሓፈሻዊ ግምታዊ ዋጋኦም 693 ሚልዮን ብር ዝኾኑ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም።

እቲ ኮሚሽን ምስ ኣባላት ፖሊስ ፌደራልን ክልልን ብምትሕብባር ካብ 23 ክሳብ 29 ሓምለ 2018 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትትል፣ 648 ነጥቢ 4 ሚልዮን ብር ዝግመት ኣታዊ ኮንትሮባንድን 44 ነጥቢ 6 ሚልዮን ብር ዝግመት ወፃኢ ኮንትሮባንድን ኣቑሑት ከምዝተታሕዙ ተገሊፁ።

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ሞንጎ ዝወዓሉ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፤ ሓደሽቲን ልባስን ጨርቂታት፣ ፍርያታት ሕርሻ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ መለዋወፂ ተሽከርከርቲ፣ ኣቑሑት ፅባቐ፣ ጫት፣ መዕወኒ ሓሽሽ፣ መድሓኒት፣ መዓድናት፣ ነዳዲ፣ ቀወምቲ እንስሳትን ናይ ወፃኢ ሃገር ገንዘባትን ይርከቡዎም፡፡

Comments (0)
Add Comment