7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዕዉት ንኽዛዘም ተግባር ፀጥታን ደሕንነትን ሓበራዊ ግብረ ሓይሉ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዕዉት ንኽዛዘም ተግባር ፀጥታን ደሕንነትን ሓበራዊ ግብረ ሓይሉ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡
ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዕዉት ንኽኸውን ብመንፅር ሓይሊ ሰብ፣ ኣፅዋርን ቴክኖሎጂን ዘካየዶ ምድላዋት ኣመልኪቱ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ፀጥታን ድሕንነትን መብርሂ ሂቡ።
ኣብዚ እዋን ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ፀጥታን ድሕንነትን መረፃ ዝገብሮ ዘሎ ምድላዋት ኣዝዩ ሓያል ምዃኑ ገሊፆም።
መረፃ ንምትዕንቓፍ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ዝተፈላለዩ ፈተነታት እኳ እንተገበሩ ሓይልታት ምክልኻል ምስ ካልኦት ሓይልታት ፀጥታን ድሕንነትን ብምዃን ነዚ ኣዕናዊ ውጥናት ከምዘፈሸሎ ኣረጋጊፆም።
ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋፅ ድሕንነት ዜጋታት ብፍላይ ድማ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብሰላም ክዛዘም ልዑል ግደ ከምዘለዎ ወሲኾም ገሊፆም።
ዋና ኣዛዚ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ብወገኖም፥ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ምስ ቦርድ መረፃ ሓበሬታ ንምልውዋጥን ምስ ህዝቢ ንምትሕብባርን ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
Comments (0)
Add Comment