7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንኽካየድ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ተሪፉዎ።

ፅባሕ ሰኑይ ዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዓወት ንኽዛዘም ብሄራዊ ቦርድ መነረፃ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ትካላት ፀጥታን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣድላዪ ምድላው ገይሮም ኢዮም፡፡
ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፤ ሓበራዊ ግብረ ፀፅታን ድሕንነትን እቲ መረፃ ብዓወት ንኽውገን ዝገበሮ መድላው ኣዚዩ ጥንኩር ከምዝኾነ ተዛሪቦም ኢዮም።
ብሄራዊ ቦርድ መነረፃ ኢትዮጵያ ንመረፃ ዘድልዩ ናውቲ መረፃ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ብቕልጡፍ ተበፃሒ ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡፡
ንምዃኑ ምስ መረፃ ተተሓሒዙ ፀገማት እንትፍጠሩ ዜጋታት ክገብሩዎም ዝግብኡ ተግባራት እንታይ ኢዮም?
ቦርድ መረፃ ምስ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝተተሓሓዙ ፀገማት እንትፍጠሩ ሪፖርት መግበሪን ምላሽ መውሀቢን ስርዓት ዘርጊሑ ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ዜጋታት ከሠይ ዝበሉ ፀገማት እንተጋጥሙ ሪፖርት ክገብሩ ይኽእሉ?
ኣብ ከይዲታት መረፃ ዝፍጠሩ ምትእጉጓላት፣
ኣብ ምሃብ ድምፂ ኣወሃህባ ድምፂ ወይ እውን እዋን ቆፀራ ዘጋጥሙ ፀገማት፣
ኣብ ጥቓ ጣቢያታት መረፃ ዘጋጥሙ የፀገማት ፀፅታ፣
ኣብ ልዕሊ መረፅቲ ዝቀፅሕ ምፍርራሕ ወይ እውን ትንኮሳ፣
ኣብ ልዕሊ ናውቲ መረፃ ዝበፅሕ ጉድኣት፣
ዓመፅ ወይ እውን መፈራርሒታት፣
ወጥሪ ዝፈጥሩ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት፣
መረፃ ከተኣጓጉል ዝኽእል ወይ እውን ዝኾነ ይኹን ካሊእ ኣጠራጣሪ ተግባር ሓበሬታ ኽህቡ ይኽእሉ።
ብኸመይ ሓበሬታ ምሃብ ይከኣል?
ብናፃ መስመር ስልኪ 6214 ብምድዋል
ሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ናብ 7555 ብምልኣኽ
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment