ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ወለንታ ናይ ፅባሕ ዝማዕበልት ኢትዮጵያ ኣብ ምሕንፃፅ ልዑል እጃም ኣለዎ፡፡
ኣገልግሎት ወለንታ ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ሓደጋ ብዝፈጥር ፀገም ሕድሕድ ብምትሕግጋዝን ብምትሕስሳብን ክፉእ ግዘ ብሓባር ናይ ምሕላፍ ባህሊ ኢዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክረምታዊ ናይ ሓጋይን መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ወለንታ ተሓንፂፆም ወለንታውያን ሰብ ሃፍቲ፣ መናእሰይን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጉልበቶም፣ ገንዘቦም፣ ግዚኦምን ፍልጠቶምን የበርክቱ፡፡
ህንፀት ኣባይቲ፣ መኣዲ ምክፋል፣ ልገሳ ደም፣ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲን ሓለዋ ካባቢን ሓዊሱ ዝተዘርግሑ ተግባራት ወለንታ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ቀይሮም ኢዮም፡፡
እዚ ኣገልግሎት ወለንታ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኩሉ ግዘ ኣጀንዳ ልምዓትን ሰብኣዊነት ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ፡፡
ኣገልግሎት ወለንታ ሓላፍነት ዝስመዖ ዜጋ ኣብ ምፍጣር ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ፡፡
መናእሰይ ካብ ዝነብሩዎ ከባቢ ብተወሳኺ ናብ ካልኦት ከባቢታት ብምኻድ እንተይተረፈ ቋንቋን ባህሊን ምስ ዘለዎም ማሕበረሰባት ብሓባር ኣገልግሎት ወለንታ ይህብ፡፡
በዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብ ጥንኩር ድልድል ምትሕስሳብ ንምህናፅ ከምዝሕግዝ ይእመን፡፡
ኣገልግሎት ወለንታ ካብ ማሕበራዊ ረብሑኡ ሓሊፉ ዝተረጋገአ ማሕበረሰብ ንምህናፅ ይሕግዝ፡፡
ብትእግስት ግዛቸው