ኣዲስ ኣበባ፣5 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) በይነ-መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) መበል 74 ፍሉይ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት የካይድ ኣሎ።
ኣብ ጅቡቲ ይካየድ ዘሎ እዚ ኣኼባ ኣብ ክልላዊ ሰላምን ድሕነትን ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳያት ትካላዊ ምምሕያሽ ዝዝቲ ይኸውን።
ኣብቲ ኣኼባ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ከምኡ’ውን ካልኦት ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ሚኒስትራት ተሳቲፎም።
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ካብ ቀንዲ ኣካላት ፖሊሲ ኢጋድ ንምትግባር ዝሰርሑ ሓደ ኮይኑ፣ ንንቀሳቐሳት እቲ ትካል ናይ ምምራሕን ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ዓብዩ ግደ ኣለዎ።