ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምሕደራ መርበብብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ 5ይ ዙር ሃገራዊ ሰመር ካምፕ ቻሌንጅ ሳይበር ታለንት ዘሰልጠኖም ሰልጠንቲ ኣመሪቑ።
ኣብቲ 5ይ ዙር ስልጠና ምሕደራ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ምስ 6 ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ብምትሕብባር ን1 ሺሕን 140 ሰልጠንቲ ሰመር ካምፕ ቻሌንጅ ሳይበር ታለንት ከሰልጥን ፀኒሑ እዩ።
እቶም ሰልጠንቲ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ተግባራዊ ልምምድ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ክወስዱ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቖም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፣ ዋና ዳይሬክተር ምሕደራ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ትእግስት ሓሚድ፣ ሚኒስትር ዲኤታ መናእሰይን ስፖርትን ስለሺ ግርማን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ስድራቤት ተመረቕቲን ተረኺቦም።
ምሕደራ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን፤ ድሕንነትን ሉኣላዊነትን ሳይበር እታ ሃገር ንምሕላውን ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይን እናሰርሐ እንትኸውን፤ ኣብቲ ዓውዲ ፍሉይ ተውህቦን ድሌትን ዘለዎም ሰገናትን መናእሰይን ካብ መላእ ሃገር ብምምልማል ናይ ምብቃዕ ስራሕ ይሰርሕ።
በቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሓት ተውህቦ ዘለዎም ሰገናትን መናእሰይን ኣብ ሰመር ካምፕ ተፀንቢሮም ከምዝሰልጠኑ ይዝከር።
ብፌቨን ቢሻው