ስፓርት

ስፓርት

ዳይና ሊዲያ ታፈሰ ኣብ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ትሕቲ 17 ዓመት ፃውዒት ቀሪቡላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይና ሊዲያ ታፈሰ ብኣሰናዳእነት ህንዲ ኣብ ዝካየድ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 17 ዓመት ንኽተገልግል ብፊፋ ፃውዒት ቀሪቡላ። ውድድር ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 17 ዓመት ካብ 1 ክሳብ 20 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ ህንዲ ክካየድ ኢዩ፡፡ ላዕለዋይ ኣካል እቲ ውድድር ዝኾነ ዓለም ለኸ ኣመሓዳሪ ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ብዳይነት ዘገልግሉ ዳያኑ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝመረፀ እውን ዕላዊ ገይሩ፡፡ ዝርዝር 14 ዋና፣ 28 ሓገዝቲን 16 ዳያኑ ቪዲዮን ዕላዊ እንትገብር፥…
Read More...

ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም። ብደቂ ተባዕቲዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ጀማል ይመር 59 ደቒቓን 3 ሰከንድን ብምእታው ቀዳማይ ወፂኡ። ኣትሌት ተስፋሁን ኣካልነው ድማ መበል ራብዓይ ከምዝወፅአ ተገሊፁ። ብደቂ ኣንስቲዮ ዘርፍ የኋላው 1…

ሓፈሻዊ ጉባኤ ምርጫ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓፈሻዊ ጉባኤ ምርጫ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ጉባኤ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን መስፍን ቸርነትን ካልኦት ተወከልቲ ፊፋን ካፍን ተሳቲፎም። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣፈፃፅማ መደባት 2014 ዓ.ም ብዝምልከት ዘተ ተገይሩ። ኣብቲ…

ኣብ መፃረዪ ውድድር ቻን ዝሳተፍ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ፅባሕ ናብ ታኒዛኒያ ከምርሕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መፃረዪ ውድድር ቻን ዝሳተፍ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ፅባሕ ናብ ታኒዛኒያ ከምርሕ ኢዩ። እቲ ጋንታ ምስ ሩዋንዳ ቀፃሊ ዕለተ ዓርቢ ክጋጠም ኢዩ ተባሂሉ። ካልኣይ ፀወትኡ 29 ነሓሰ ኣብ ሩዋንዳ ከምዘካይድ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦…

ኣብ ብራዚልን ኣርጀንቲናን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብራዚልን ኣርጀንቲናን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ፍርቂ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም። ኣብቲ ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ ኣሰፋ በቀለ ብ1 ሰዓትን 3 ደቂቓን 52 ሰከንድን ብምእታው ቀዳማይ ብምኻነ ተዓዊቱ። ብደቂ ኣኒስቲዮ ድማ መስታወት ፍቅሬ 1 ሰዓትን 13 ደቒቓን 4 ሰከንድን በምእታው ቀዳመይቲ ወፂኣ።…

መፃረዪ ድልድል ትሕቲ 23 ዓመት ኣፍሪካ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2023 ዝካየድ መፃረዪ ድልድል ትሕቲ 23 ዓመት ኣፍሪካ ዕላዊ ኮይኑ። ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ዙር መፃረዪ ውድድር ምስ ዴሞክራቲክ ኮንጎ ተመዲባ። ኢትዮጵያ ቀዳማይ ዙር እንተሓሊፋ ኣብ ካልኣይ ዙር መስ ኣልጄሪያ ከምእትጋጠም ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እዋናዊ…

መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ሳልሳይ ደረጃ ንዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ተሳሊጡ። ኣብ ኮሎምብያ ከተማ ካሊ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም 3ይ ደረጃ ዝሓዘ ልኡኽ፤ ትማሊ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ። እቲ ጉጅለ ሎሚ…