ስፓርት

ስፓርት

ፍሬወይኒ ሃይሉ ሓዊሱ 4 ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብብርኪ ዓለም ናብ ዝካየድ ሻምፒዮና ቤልግሬድ ውድድር ፍፃመ ጒያ ውሽጢ ገዛ  ሓሊፎም

አዲስ አበባ፣ መጋቢት 10፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሬወይኒ ሃይሉ ሓዊሱ 3 ኢትዮጵያዊያን ኣትሊታት ብብርኪ ዓለም ናብ ዝካየድ ሻምፒዮና ቤልግሬድ 2022 ውድድር ፍፃመ ጒያ ውሽጢ ገዛ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ሓሊፎም። ብመሰረት እዚ ፍሬወይኒ ሃይሉን ሃብታም ኣለሙን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣብ ዝተኻየደ መፃረዪ ውድድር ነቲ ርሕቐት ብቐዳምነት ዛዚመን። ብደቂ ተባዕቲዮ ድማ ኣትሌት ታደሰ ለሚን ሳሙኤል ተፈራን ነቲ ውድድር ቀዳሞት ኮይኖም ብምዝዛሞም ናብ ፍፃመ ውድድር ሓሊፎም። ብድምር እቶም ኣርባዕተ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብብርኪ ዓለም ናብ…
Read More...

ድልድል ርብዒ ፍፃመ ውድድር ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ድልድል ርብዒ ፍፃመ ውድድር ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ዕላዊ ኮይኑ። ብመሰረት እዚ፡- ጋንታ ቼልሲ ምስ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ጋንታ ቪያሪያል ምስ ጋንታ ባየርን ሙኒክ ጋንታ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ጋንታ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ጋንታ ቤኔፊካ ምስ ጋንታ ሊቨርፑል ተደልዲለን። ቀዳማይ እግሪ ፀወታ 27 ን 28 መጋቢት…

ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ዙር መፃረዪ ውድድር ትሕቲ 20 ዓመት ፅዋዕ ዓለም ተካይድ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ናይ መወዳእታ ዙር መፃረዪ ውድድር ትሕቲ 20 ዓመት ፅዋዕ ዓለም ምስ ጋና መዘናኣ ተካይድ ኣላ። እቲ መፃረዪ ፀወታ ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ እናተኻየደ ከምዝርከብ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ። ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ…

ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያን ጂ ኣይ ዜድን ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ትካል ልምዓት ጀርመን ጂ ኣይ ዜድን ስምምዕነት 10 ሚሊየን ብር ተፈራሪሞም። እቲ ስምምዕነት ደረጃ ማእኸል ልህቀትን መፃወቲን መለማመዲን ሜዳ ንምምሕያሽ ከምኡ እውን ሓዱሽ ተወሳኺ ሜዳ ንምስራሕ ዘኽእል ክዝኾነ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ጂ…

ኢንተርነሽናል ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ኣብ ቀፃሊ 2 ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ብዋና ዳይነት ክመርሑ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንተርነሽናል ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ኣብ ቀፃሊ ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪካን መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለምን ብዋና ዳይነት ክመርሑ ኢዮም። ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ፅቡቕ ብቕዓት ዳይነት ዘርአዩ ኣርቢትር ባምላክ ተሰማ ዝቕፅል ቀዳም 16 መጋቢት ዝግበር ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ…

ኣብ ቴክዮ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝበረታታዕ ውፅኢት ኣመዝጊቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቴክዮ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝበረታታዕ ውፅኢት ኣመዝጊቦም። ብደቂ ተባዕትዮ ታምራት ቶላ ብ2 ሰዓት 2 ደቒቓን 14 ሰከንድን ብምእታው ኣብቲ ውድድር ሳልሳይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድሩ እንትዛዝም፥ ሹራ ቂጣታ 5ይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ፡፡ ኣብቲ ውድድር ኪኒያዊው ኤሉድ ኪፕቾጌ 2 ሰዓት 2…

ኣትሌት የኣለምዘርፍ የኋላው ኣብ ስፔን ብዝተኻሄደ ውድድር ጉያ 10 ኪሎ ሜትር ሓዱሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት የኣለምዘርፍ የኋላው ኣብ ስፔን ላ ፕላና ብዝተኻሄደ ውድድር ጉያ ጎዳና 10 ኪሎ ሜትር ሓዱሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ። እታ ኣትሌት 29:14 ብዝኸነ ሰዓት ብምእታው ኢያ ሓዱሽ ወሰን ኣመዝጊባ ዘላ፡፡ ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም…