ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ኣብ ኣርጀንቲና ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ቦነስ ኣይረስ ክብረ ወሰን ፍርቂ ማራቶን ዓለም ብምስባር ተዓዊቱ።
ዮሚፍ ነቲ 21 ነጥቢ 1 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት 56 ደቒቕን 51 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም እዩ ነቲ ክብረ ወሰን ኣመሓይሹዎ።
በዚ ድማ ብኡጋንዳዊ ኣትሌት ጃኮብ ኪፕሊሞ ኣብዚ ዘመዝገቦ 57 ደቒቕን 20 ሰከንድን ዝኾነ ክብረ ወሰን ብ29 ሰከንድ ኣመሓይሹዎ።