ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓመተ ውድድር ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 2026/27 ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ሻምፒዮን ኣርሰናል ምስ ኮቨንትሪ ሲቲ ብዝገብረኦ ፀወታ ክጅመር እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ውድድር ሻመወፒዮን እቲ ሊግ ዝተጎናፀፈት ጋንታ ሰሜን ለንደን ኣርሰናል፤ ብተኸታታሊ ዓመት ሻምፒዮን ንምዃን ብፍራንክ ላምፓርድ ትምራሕ ኮቨንትሪ ሲቲ ብምግጣም ጉዕዞኣ ክትጅምር እያ።
ብኻሊእ መዳይ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ኣሰልጣኒ ፔፕ ጋርዲዮላ ካብ ትፈላለ ንደሓር ብነበር ምክትላ ኣሰልጣኣ ኤንዞ ማሬስካ እናተመርሐት ሓዱሽ ምዕራፍ ክትጅምር እያ።
ሞሓመድ ሳላህ ሓዊሱ ወሰንቲ ተፃወትታ ዝሰኣነት ሊቨርፑል ብኣንዶኒ ኢራኦላ እናተመርሐት እቲ ዓመተ ውድድር ክህመር እዩ።
ብማይክል ካሪክ ትምራሕ ማንቸስተር ዩናይትድ ግደኣ ኣብ ዝሓለፈ ውድድር ዘበን ዘርአዮ ምምሕያሽ ክቕጥል ንምግባር ኣብቲ ሊግ ልምድ ዘለዎም ተፃወትቲ ብምውሳኽ ናብ ንሕንሕ ክትምለስ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ውድድር ድኹም ግዘ ዘሕለፈት ጋንታ ምዕራብ ለንደን ቼልሲ ብሓዱሽ ኣሰልጣኒ ዣቢ ኣሎንሶ እናተመርሐት ብርቱዕ ንሕንሕ ክትገብር እያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ማንቸስተር ሲቲ፣ ሊቨርፑልን ቼልሲን ሓዊሱ ብዙሓት ጋንታታት ምስ ሓደሽቲ ኣሰልጠንቲ ውድድረን ክጅምራ እየን።
ሃል ሲቲ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ፣ ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ሊቨርፑልን ፉልሃም ምስ ቼልሲ ከምኡ እውን ማንቸስተር ሲቲ ምስ ቦርንማውዝ ካልኦት ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት እዮም።
ብዮናስ ጌትነት