ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዓመተ ውድድር 2026/27 ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ዝካየድ ናይ መወዳእታ ፀወታ ሎሚ ምሸት ቼልሲ ካብ ሜዳኣ ወፅእ ምስ ፉልሃም ክትገጥም እያ።
ክልቲአን ጋንታታት ኣብዚ ክረምቲ ሓደሽቲ ኣሰልጠንቲ ብምሻመን፤ እቲ ዓመተ ውድድር ብዓወት ንምጅማር ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።
ቼልሲ ካብ ሪያል ማድሪድ ዝተሰናበተ ኣሰልጣኒ ዣቢ ኣሎንሶ ከምኡ እውን ፉልሃም ድማ ንሪያል ማድሪድ ብግዚያዊ ዘሰልጠነ ኣልቫሮ ኣርቤሎዋ ኣብዚ ክረምቲ ምሻመን ይዝከር።
ምሸት ሰዓት 4 እቲ ኣብ ክራቨን ኮቴጅ ዝካየድ ደርቢ ምዕራብ ለንደን፤ ወዲ 36 ዓመት ጆን ብሩክስ ናይ ማእኸል ሜዳ ብምዃን ክመርሑዎ እዮም።