ስፓርት
ክርስትያኖ ሮናልዶ ንሳልሳይ ግዜ ካብ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ተኸፋሊ ስፖርተኛ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ወዲ 40 ዓመት ፖርቱጋላዊ ኢንተርናሽናል ተፃዋታይ ንተኸታታሊ ንሳልሳይ ዓመት ካብ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ተኸፋሊ ስፖርተኛ ምዃን ኽኢሉ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ንክለብ ስዑዲ ኣልናስር እናተፃወተ ዝርከብ ክርስትያኖ ሮናልዶ፤ ኣብ ዓመት 275 ሚሊየን ዶላር ዝኽፈል ኣብ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ስፖርተኛ ምዃኑ ኣብ መፅሄት ፎርብስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣሜሪካዊ ተፃዋታይ ኩዕሶ ስኪዒት ስቴፈን ከሪ 156 ዓመታዊ ዶላር ዓመታዊ ኣታዊ ብምርካብ ካልኣይ እንትኾን ከምኡ እውን ከቢድ ሚዛን ቦክሰኛ ታይሰን…
Read More...
ሰርጂም ራትክሊፍ ልዕሊ 6 ቢሊየን ፓውንድ ከሲሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ንኡስ በዓል ዋና ማንቼስተር ዩናይትድ ሰር ጂም ራትክሊፍ ኣብ ሓደ ዓመት ልዕሊ 6 ቢልዮን ፓውንድ ከሲሮም።
እንግሊዛዊ በዓል ሃፍቲ ሰር ጂም ራትክሊፍ ሃፍቶም ካብ 23 ነጥቢ 519 ቢሊየን ፓውንድ ናብ 17 ነጥቢ 046 ቢሊየን ፓውንድ ምውራዱ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
እዞም በዓል ሃፍቲ ወዲ 72 ዓመት ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ…
ቼልሲ ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣስቶንቪላ ምስ ቶትንሃም ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 37 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲ ኣብ ሜዳኣ ስታምፎርድ ብሪጅ ምሸት ሰዓት 4፡15 ንማንቼስተር ዩናይትድ ክተተኣናግድ ኢያ።
ብ63 ነጥቢ ኣብ 5ይ ደረጃ ትርከብ ጋንታ ምዕራብ ለንደን ቼልሲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ንምስታፍ ልዑል ንሕንሕ ክትገብር ኢያ።
ብኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም…
ሻምፒዮና ዓለም ውፅኢት መእተዊ ምዝገባ ግዘ ገደብ ኣብዚ ሰሙን ክገልፅ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ውፅኢት መመዝገቢ ዝውደአሉ ግዘ ኣብዚ ሰሙን ዕላዊ ከምዝኸውን ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ነቲ ውድድር ቅድመ ምድላው ንምግባር ዝረድእ ውፅኢት መእተዊ ዝምዝገብሉ ግዘ ከምዝቆርፅ ፕሬዚዳንት እቲ ፌደሬሽን ኮማንደር ሰለሺ ሰህን ገሊፆም፡፡
ኮማንደር…
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ከተማ ባህርዳርን ማዕረ ተፈላልየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 29 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ፀወታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ከተማ ባህርዳርን ብዘይ ሸቶ ማዕረ ተፈላልየ፡፡
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ከተማ ባህርዳር ብ47 ነጥቢ ኣብ 3ይ ብርኪ እንትትስራዕ÷ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ድማ ብ38 ነጥቢ ኣብ 9ይ ብርኪ ሒዛ ትርከብ።
ከተማ ባህርዳር ድሕሪ 3 ፀወታታት ብማዕረ…
ኢትዮጵያ መድን ንፋሲል ከነማ ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 29 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ መድን ንፋሲል ከነማ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ፡፡
መሪሕ እቲ ሊግ ዝኾነት ኢትዮጵያ መድን ናብ ዓወት እንትትምለስ ፋሲል ከነማ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ተኸታትልቲ ፀወታታት ክትዕወት ኣይከኣለትን፡፡
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኢትዮጵያ መድን ብ57…
ከተማ ሃዋሳ ንከተማ አርባምንጭ ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 29 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ከተማ ሃዋሳ ንከተማ አርባምንጭ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡
ከተማ ሃዋሳ ብሕታዊት ሽቶ ዘቁፀረ እስራኤል እሸቱ ናይ ዓወት ሸቶ ምስ መረብ ኣራኪብዋ።
ከተማ ሃዋሳ ንኻልኣይ ተኸታታሊ ዓወት እንተመዝግብ፤ ከተማ አርባምንጭ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ተከታተልቲ ፀወታታት…