ስፓርት

ስፓርት

ማንቼስተር ዩናይትድ ንኣሰልጣኒ ኤሪክ ቴን ሃግ ኣሰናቢቱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣሰልጣኒ ማንቼስተር ዩናይትድ ኤሪክ ቴን ሃግ ካብ ሓላፍነቶም ተሰናቢቶም። ኣሰልጣኒ ኤሪክ ቴን ሃግ ኣብ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ድኹም ጉዕዞ እናገበሩ ብምንባሮም ወቐሳ እናበፅሖም ፀኒሑ ኢዩ፡፡ ዩናይትድ ትማሊ ኣብ ዘካየደቶ መበል 9ይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብጋንታ ዌስትሃም 2 ን 1 ከምዝተሰዓረት ይዝከር፡፡ ምኽትል ኣሰልጣኒ ብምዃን እገልገለ ዝፀንሐን ነበር ተፃዋታይ እታ ጋንታን ሆላንዳዊ ሩድ ቫልኔስትሮይ ንግዚኡ ኣሰልጣኒ ማንቼስተር ዩናይትድ ብምዃን ንኽመርሕ…
Read More...

4 ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ዝርዝር ሕፁያት ብሉፃት ኣትሌታት እዚ ዓመት ተኻቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዮሚፍ ቀጀልቻ፣ ታምራት ቶላ፣ ትዕግስት ከተማን ሱቱሜ ኣሰፋን ኣብ ዝርዝር ሕፁያት ካብ ስታዲየም ወፃእ ብሉፃት ኣትሌታት ዓመተ 2024 ተኻቲቶም። እቶም ኣትሌታት፥ ኣብ 2024 ዓ.ም.ፈ ኣብ ውድድር ጕያ ጎደና ብዘመዝገብዎ ውፅኢት ኢዮም ኣብ ዝርዝር ሕፁያት ተኻቲቶም ተባሂሉ። ኣትሌት ታምራት ቶላ…

ኣብ ማራቶን ፍራንክፈርት ኣትሌት ሃዊ ፈይሳ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጀርመን ፍራንክፈርት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ሃዊ ፈይሳ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊታ። ኣትሌት ሃዊ ፈይሳ እቲ ውድድር 2 ሰዓት 17 ደቒቕን 25 ሰከንድን ብምእታው ከምዝተዓወተት ሓበሬታ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ክብረ ወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ሰይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ኣብ ቫሌንሺያ ሜዲዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዊቱ፡፡ እቲ ኣትሌት ነቲ ርሕቐት 57 ደቒቕን 30 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብመእታው ከምዝተዓወተ ሓበሬታ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣመልኪቱ፡፡ ክብረወሰን ዓለም ፍርቂ ማራቶን ብኡጋንዳዊ ኣትሌት ጃኮብ ኪፕሊሞ ተታሒዙ…

መቻል ንወልዋሎ አዲግራት ዩኒቨርሲቲ ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓሻይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቻል ንወልዋሎ አዲግራት ዩኒቨርሲቲ 3 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ። ቀትሪ ሰዓት 10 ጀሚሩ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ÷ መቻል ታዬ ጋሻው (ኣብ ናይ ባዕሉ ሸቶ)፣ ኣቤል ነጋሽን ዳንኤል ዳርጌን ብዘመዝገቡወን ሸቶታት ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወፂኣ። ፀወታ እቲ ሊግ ሰዓት 1…

ፀወታ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጁባ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ሃገራት ኣፍሪካ (ቻን) ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ናይ በፂሕኻ መልሲ ፀወታኣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ጁባ ከምትገብር ተገሊፁ፡፡ ብመሰረት እዚ ፀወታ በፂሕኻ መልሲ እተን ሃገራት 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም 24 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ከምዝካየዱ ምግላፁ ሓበሬታ ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

መሳይ ተፈሪ ግዚያዊ ኣሰልጣኒ ዋሊያታት ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መሳይ ተፈሪ ንገብረመድህን ሃይለ ብምትካእ ግዚያዊ ዋና ኣሰልጣነኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ (ዋሊያታት) ኮይኑ፡፡ ብመሰረት እዚ ኣሰልጣኒ መሳይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ሃገራት ኣፍሪካ (ቻን) ትገብሮም ፀወታታት ንኽመርሑ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ወሲኑ፡፡ ኣሰልጣኒ መሳይ…