በዓል ሓደራ ምምሕዳር ተተሊሞም ዝተውሃቡዎ ስራሕቲ ኣብ ዝተሓንፀፀሎም እዋን ንምፍፃም ይንቀሳቐስ ኣሎ – ቴዎድሮስ ኣረጋይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተተሊሞም ዝተውሃቡዎ ስራሕቲ ኣብ ዝተሓሰበሎም እዋን ንምፍፃም ይንቀሳቐስ ኣሎ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ሽራኽ ኢኮኖሚን ዳግመ ህንፀትን እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ቴዎድሮስ ኣረጋይ (ዶ/ር)።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገምጋም ዘተ ኣካይዶም።

ብዛዕባ እቲ ዘተ ኣመልኪቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢኮኖሚን ዳግመ ህንፀትን እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቴዎድሮስ ኣረጋይ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፤ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዞባታትን ወረዳታትን ኣመራርሓ ናይ ምምዳብን ስራሕቲ ምምሕዳር ናይ ምምላስን ተግባራት ከምዝተኻየዱ ገሊፆም።

ዝዓነዉ ቢሮታትን ናይ ስራሕ ቦታታትን ማእኸላይ ፅገና ብምግባር ተቛሪፆም ዝነበሩ ኣገልግሎታት መንግስቲ ክጅመሩ ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሆም።

ምስ ሰላምን ፀጥታን ተተሓሒዙ ልዑል ስግኣታት ከምዝነበሩ ብምሕባር፤ እቶም ስግኣታት ኣብ ከይዲ ንኽንክዩን ህዝቢ ብዘይ ዝኾነ ስግኣት ክንቀሳቐስን ክሰርሕን ንምግባር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተኻየዱ ገሊፆም።

ተቛሪፆም ዝነበሩ ንጥፈታት ንግዲ ክነቓቕሑ ብምግባር መደበራት ነዳዲ ስረሐን ክጅምራን ነዳዲ ናብቲ ክልል ክኣቱን ከምዝተገበረ ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ፀገም ንዝወደቑ ዜጋታት ሓገዝ ንኽበፅሖምን እቲ ሓገዝ ክቕፅልን ይግበር ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዘኽእል ኩነታት ምምችቻውን ሓገዛት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ምግባርን ከምዘድሊ ኣመልኪቶም።

ሰላም እቲ ክልል ንኽመሓየሽ ብዙሕ ስራሕ ይፅበየና ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፤ ንህዝቢ ኣብ ኩሉ መዳይ ብምስታፍ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ብእመቤት ሲሳይ

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment