ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዓቕሚ ዘፈር መዓድን ንምዕባይን እቲ ሃፍቲ ንዕቤት ኢኮኖሚ ንምውዓልን ዝተኻየዱ ስራሕቲ ዘተባብዑ ውፅኢታት እናምፅኡ ይርከቡ።
እታ ሃገር ኣብ ውሽጣ ዝሓዘቶም ኣዝዮም ሰፋሕቲ ፀጋታት ተፈጥሮ ብግቡእ ብምጥቃም ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን እቶት ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይን ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ምስሊ እቲ ዓውዲ እናቐየረቶ መፂኣ።
ብፍላይ ከም ወርቂ፣ ኦፓል፣ እምኒ ፈሓም፣ እምነበረድን ካልኦት ክባራት መዓድናትን ንሃገራዊ ዕቤት ዝገብሩዎ ኣበርክቶ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ይርከብ።
እቲ ዓውዲ ዘበናዊ ንምግባር ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ንግዲ ንምቁፅፃርን ሰብ ሃፍቲ ኣብቲ ዘፈር ክዋፈሩ ምቹው ኩነታት ንምፍጣርን ዝተኻየዱ ተግባራት ናይዚ ዓወት መሰረት ኮይኖም።
መንግስቲ ንኣለሻን ልምዓትን ሃፍቲ መዓድን ንምድጋፍ ከምኡ እውን ሕጋዊ ኣፍረይቲ ኣብ ምትብባዕ ትኹረት ሂቡ ብምስርሑ፤ ኣበርክቶ እቲ ዘፈር ኣብ ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ዘለዎ ብፅሒት እናዓበየ መፂኡ።
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ኢንዱስትሪታት ምቅንብባር መዓድን እናተኻየዱ ዝርከቡ ስራሕቲ ፍርያታት ተወሳኺ ዋጋ ተወሲኹዎም ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ክቐርቡ ብምግባር እታ ሃገር ካብቲ ዘፈር እትረኽቦ ረብሓ ብልዑል ደረጃ ክዓቢ ኣኽኢሎምዋ።
ብፍላይ ከም ኦፓል ዝኣመሰሉ ክባራት መዓድናትን ፍርያት ወርቂን ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ዘለዎም ተደላይነት ልዑል ብምዃኑ፤ ኢትዮጵያ ካብቲ ዘፈር እትረኽቦ እቶት ክዓቢ ገይርዎ።
ብከባቢያዊን ባህላዊን መገዲ ጥራሕ ተወሲኖም ዝፀንሑ ቦታታት መዓድን ናብ ማእኸላይ ማዕቐፍ ኢኮኖሚ ንምእታው ዝተገበሩ ፃዕርታት፤ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዕድላት ስራሕ ኣብ ምፍጣር ዓብዪ ተራ ተፃዊቶም።
ሃፍቲታ እምኒ ፈሓምን እምነ በረድን እውን ንውሽጢ ሃገር ፋብሪካታት ሲሚንቶ፣ ንህንፀትን ምፍራይ ሓይሊን ዝገብሩዎ ኣበርክቶ ከይዲ ልምዓት ኢንዱስትሪ እናቀላጠፈ ይርከብ።
ኣካል ትልሚ ልምዓት ኢትዮጵያ ዝኾነ እዚ ምምሕያሽ ዘፈር መዓድን፤ ሕብረተሰብ ካብቲ ሃፍቲ ክጥቀምን መዋቕራዊ ስግግር ኢኮኖሚ ክዕወትን ዝገብሮ ኣበርክቶ ልዑል እዩ።
ሃፍቲ መዓድን ብዘላቕነት ኣብ ረብሓ ንምውዓል እናተተግበሩ ዝርከቡ ፃዕሪታት፤ ምዕባለ ኢትዮጵያ ካብ ምርግጋፅ ሓሊፎም ንብዙሓት ዜጋታት ዘላቒ መሰረት ናብራ እናኾኑ ይርከቡ።