ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቻይና ምስ ኣባል ሃገራት ኢኒሼቲቭ ቤልት ኤንድ ሮድ ዘለዋ ሓፈሻዊ ምትሕብባርን እትገብሮ ሓገዝን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢላ።
ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ ኣባል ሃገራት ኢኒሼቲቭ ቤልት ኤንድ ሮድ ዝተውፃእፅኡ 16 ትካላት ሚድያ ዝተሳተፉሉ ዓለም ለኸ ሓባራዊ መድረኽ ርክብን ሓበሬታን ኣብ ቻይና ቤጂንግ ይካየድ ኣሎ።
እቲ መድረኽ ቻይና ኣብ ዘርፊ ርክብን መራኸቢ ሓፋሽን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝበፅሐቶ ደረጃ ልህቀትን ተሞክሮኣን ምስ ኣባል ሃገራት ንምክፋል ዝዓለመ እዩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሓለፍቲ ስራሕ ዓበይቲ ትካላት ሚድያ ቻይና መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ንዘመኑ ዝምጥን ቴክኖሎጂ ሚድያ ብምጥቃም ፅልዋ ዘለዎም ትሕዝቶታት ናብ ተዓዘብቲ እናብፅሑ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።
ብፍላይ ሰብ ሰራሕ ብልሒ (ኤ.ኣይ)ን ተመሳሰልቲ ውፅኢታት ቴክኖሎጂን ኣብ መዓልታዊ ስራሕቲ ምድላው ትሕዝቶ ልዑል ኣበርክቶ እናገበሩ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።
ፕሬዚደንት ትካል ሬድዮን ቴሌቪዥንን ቻይና ዝሁ ያናን፤ ቀንዲ ዕላማ መራኸቢ ብዙሃን ብሄራዊ ረብሓኣ ሃገረን ምሕላው ምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ተበፃሕነትን ምፍጣር ፅልዋን ዲጂታል ሚድያ እናወሰኸ ምምፅኡ ብምሕባር፤ ኣብ መርበባት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝዝርግሑ ሓበሬታታት ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ርክባት እተን ሃገራት ዘጠናኽሩ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣብሪሆም።
ቻይና ምስ ኣባል ሃገራት ኢኒሼቲቭ ቤልት ኤንድ ሮድ ዘለዋ ሓፈሻዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፅነት ከምዘለዋ እውን ኣረጋጊፆም።
ኣብቲ መድረኽ እናተሳተፉ ዝርከቡ ወከልቲ መራኸቢ ሓፋሽ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብግደኦም፤ ትካላት ሚድያ ኣብ ሓፈሻዊ ዕቤት ቻይና እናበርከቱዎ ዝርከቡ ኣበርክቶ ንኢዶም።
ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ካብ ኢትዮጵያ ኣብቲ መድረኩ እናተሳተፈ ይገኛል።
እቲ ሓበራዊ መድረኽ ዓለም ለኸ ቴክኒካል ምትኽብባር ኩባንያ ኢኮኖሚ ብሮድካስቲንግ ቻይናን ንግድ ሚኒስቴር ንግዲ ቻይናን ብምትሕብባር ዘሰናድኡዎ እዩ።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ካብ ቻይና ዝተወስዱ ተሞክሮታት ኣብ ቀፃሊ ንዕቤት ትካላት ሚድያ ሃገሮም እወንታዊ ኣበርክቶ ከምዝህልዎም እውን ተዛሪቦም።
ብበሃይሉ ጌታቸው