ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ትግራይ መሃያ ክኽፈል ኢዩ ኢሎም ሓላፊ ቢሮ ስቪል ሰርቪስ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ።
እቶም ሓላፊ ኣብ ዝሃዎ መግለፂ፤ ክፍሊት መሃያ ክጅመር ብዝተገበረ ፃዕሪ ውፅኢት ብምርካቡ እዩ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ክፍሊት ከምዝካየድ ኣረጋጊፆም፡፡
ኣብቲ ክልል ልዕሊ 140 ሺሕ ዝኾኑ ሰራሕኛታት መንግስቲ ከምዝርከቡን ካብ ሞንጎ እዚኦም ብኣካል ብምርካብ ሪፖርት ንዝገበረ ክፍሊት መሃያ ከምዝጅምርን ተዛሪቦም፡፡
ልዕሊ 85 ሚኢታዊ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ ብኣካል ብምቕራብ ሪፖርት ከምዝገበሩ ዝሓበሩ ኣይተ ኣታኽልቲ፤ ኣብ ገለ ወረዳታት ሽመት ሓለፍቲ ጠቕሊሉ ዘይተዛዘመ ምንባሩ ከም ፀገም ከምዝተረኣየ ኣብሪሆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ብመሰረት ዝተውሃበ ኣንፈት እቲ መስርሕ ንምምላእ ዝተሰርሐ ስራሕ ብምግላፅ፣ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ተማሊኦም ሓደሽቲ ኣካውንታት ከፊቶም ክፍሊት መሃያ ንኽጅመር ምድላዋት ከምዝተዛዘመ ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ብውዙፍ መንግስቲ ዝወፅኡ መምርሕታት ብዝተሾሙ ኣካላት ዝተወሰኑ ውሳነታት ሕጋዊ ተቐባልነት ከምዘይብሎም ኣረዲኦም።
ብግዛቸው ግርማዬ