ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ሕታም መግለፂ ፀብፃብ ኣካውንታት መሬትን ናይ ተፈጥሮን ኣካውንቲንግን ፍኖተ ካርታ ዕላዊ ኮይኑ።
ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ምስ ባንኪ ዓለም ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ዘሰናደኦ እቲ ፍኖተ ካርታ፤ ማይ፣ ካርቦን፣ ስነ ምህዳርን ካልኦት ሃፍቲት ተፈጥሮን ንምምዝጋብ ዘኽእል ኢዩ።
ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን በረከት ፍስሃፂዮን÷ እቲ ፍኖተ ካርታ ምስ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ተተሓሒዙ ዝትግበር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
በዚ ድማ ሃፍቲታት ተፈጥሮ ምምዝጋብ ከምዝተኽኣለ ብምሕባር÷ ብብርኪ ሃገር ለኸ ዘሎ ዓቕሚ ምምዝጋብ ሓበሬታ መሬት ንኽጠናኸር ዝገብር ኢዩ ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ተፈጥሮ ካፒታል ካርታታት ብምውዳብ ምስ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ብምትእስሳር ናብ ሃገራዊ ፕላን ንምዕባይ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ሃገራዊ ፕላን፣ በጀትን ስርዓት ስታቲስቲክስን ንምክታት ዘኽእል ስትራቴጂካዊ መምርሒ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።
ማናጀር ኦፕሬሽናል ባንኪ ዓለም ዝኾኑ ጁሊያን ቪክቶር ብግደኦም÷ እቲ ፍኖተ ካርታ ኣብ መሬት ዘሎ ከይዲ ኣመዘጋግባ ሃፍቲ ዘዘምን ከምዝኾነ ገሊፆም።
ናይቲ ምዝገባ ተግር ናይ ሓደ እዋን ስራሕ ብዘይምዃኑ ኣብ ቀፃሊ ተመሳሳሊ ስራሕቲ ምዝገባ መሬት ተጠናኺ ከምዝቕፅልን ባንኪ ዓለም ሓገዙ ከምዘጠናኽርን ኣረጋጊፆም።
እዮናዳብ ኣንዱዓለም