ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መናእሰይ ትግራይ ዘቕትሉ እምበር ባዕሎም ዘይሞቱ ሓይሊታት ህዝቢ ምስ ነቕሐሎም ሃዲሞም እዮም ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 1ይ ዓመት ዘበን 4ይ ስሩዕ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምርካ ኣባላት ባይቶ ንዘቕረቡዎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።
ህዝቢ ትግራይ ፈታዊ ሰላምን ትጉህ ሰራሕተኛን ምዃኑ ብምግላፅ፤ እንተኾነ ግን ኩሉ ግዜ ተፃራሪን ከም ጅግንነት ዝሓስቡዎን መናእሰይ ትግራይ እናኣስወፈዩ ዕድሚኦም ከናውሑ ዝደልዩ ሓይሊታት ህዝቢ ካብ ሃገራዊ ልምዓት ተረባሒ ከይኸውን ዕንቅፋት ኮይኖምዎ እዮም ኢሎም።
እቲ ናይ ሕዚ ሓዊሱ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት እናፈከሩ ዝፀንሑ ሰባት ዘቕትሉ እምበር መወትቲ ከምዘይኮኑ ተዛሪቦም።
ህዝቢ ትግራይ ናትኩም ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ ደቀይ ኣየውፍን ኢሉ ምስ ነቕሐሎም፤ እዞም ሓይሊታት ሃዲሞም ኣበይ ከምዘለዉ ይፍለጥ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ናብ ሰላም ጉዕዞ ይገብር ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ መስርሕ ቀዳማይ ዕማም መንግስቲ ኣብቲ ክልል ምሉእ ሰላም ምዕሳል ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣገልግሎታት መንግስቲ ዳግም ምጅማር ከም ባንኪ፣ ትራንስፖርትን ስልኪን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምምላስን ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።
ህዝቢ ትግራይ ንብዙሕ ዓመታት ባዕሉ ንባዕሉ ንምምሕዳር ክቃለስ ምፅንሑ ብምግላፅ፤ እዚ መሰሉ ንኽኽበረሉ ቅልጡፍ መረፃ ምክያድን ንልምዓት ዝዳለወሉ መንገዲ ምኽታልን ከምዘድሊ ገሊፆም።
ንሊሂቃን ትግራይ ኣብ ዘመሓላፉዎ መልእኽቲ፤ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ንባዕሉ ንምምሕዳር ዝገበሮ ቃልሲ ከምዘኽብሩዎን እቲ ቃልሲ ክቕፅል ከምዘለዎን ኣገንዚቦም።
ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝካየድ መረፃ ክወዳደሩ ዘለዎም ደቂ ትግራይ ምዃኖም ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝግበኦ ውክልና ንኽረክብን ኣብቲ ክልል እውን ህዝቢ ብዝመረፆም ኣካላት ክመሓደርን ከምዘኽእሎ ኣብሪሆም
ብሃይለማርያም ተገኝ