ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ክወድቕ እዩ ብዝብል ግዜኹም እተባኽኑ ሓይልታት ፈፂሙ ስለዘይሳኸዐልኩም ተኣኻኺብና ሃገርና እንተነልምዕ ይሓይሽ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዘቕረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።
እዚ መንግስቲ ኣብዚ ግዜ ክወድቕ እዩ፣ ኣብዚ እዋን መወዳእታኡ እዩ እናበልኩም እትፅበዩ ሓይልታት ክትፈልጡ ዘለኩም ነገር፤ መንግስቲ መሰረት ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምንፃፍ ብልዑል ተበግሶ ይሰርሕ ስለዘሎ ክቕፅል እዩ ኢሎም።
መንግስቲ መደመር እዞም ሓይልታት ሓደ ስጉምቲ ክሓስቡ ከለዉ፤ ካብኦም 20 ዕፅፊ ከምዝሓስብ ብምግላፅ፤ እዞም ሓይልታት መሳርሒ ካልኦት ካብ ምዃን ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።
ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ክወድቀሎም እናተፀበዩ ኣብ ዝተሰሓሓተ መገዲ ዝርከቡ ሓይልታት ናብ ሕጊን ስርዓትን ንኽምለሱ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብሃይለማርያም ተገኝ