ህንፀት ዩኒቨርሲቲ መደመር ሰብ ሰራሕ ብልሒ ኣብ ቐረባ ግዜ ክዛዘም እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ህንፀት ዩኒቨርስቲ መደመር ሰብ ሰራሕ ብልሒ ብቐረባ ግዜ ክዛዘም እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፣ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝነበረ ፀገም ካብ መሰረቱ ንምፍታሕን ዘላቒ ለውጢ ንምምፃእን ሰፊሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ገሊፆም።

መንግስቲ ንመሰረታዊ ትምህርቲ ፍሉይ ትኹረት ከምዝሃበ ብምግላፅ፣ ሕዚ ዝህነፁ ዘለዉ መዋዕለ ህፃናት ድሕሪ 15 ክሳብ 20 ዓመት፣ ንህልውና ሃገር፣ ሳይንስን ልምዓትን መሰረት ዝኾኑ ወለዶታት ከምዘፍርዩ ተዛሪቦም።

ሕብረተሰብ ዳያስፖራን ሰብሃቲን ፃውዒት መንግስቲ ተቐቢሎም፣ ብዙሓት ደረጅኦም ዝሓለው ፍሉያት ትምህርቲ ቤታት ከምዝሃነፁ ገሊፆም።

ብምኽንያት ጎንፂ ዝፈረሱን ዝተዘረፉን ትምህርቲ ቤታት ንምፅጋንን ናብ ንቡር ምህሮ ንምምላስን ሰፊሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን ብዝተተግበረ ሓድሽ ሃገራዊ ስርዓት ፈተናን ጥብቂ ቁፅፅርን፣ ኣብ ተማሃሮ፣ ወለድን ትምህርቲ ቤታትን ዘሎ ምጭብርባርን ስርቂን ዝነፅግ ባህሊ እናዓበየ ይመፅእ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ብዮናስ ጌትነት

 

Comments (0)
Add Comment