ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ስርዓት ጥዕና ኣፍሪካ ንምጥንኻር ኣህጉራዊ ዓቕሚን ፃዕሪታትን ብኣምር መደመር ምትሕብባር የድሊ ኢሎም።
5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥዕና ህዝቢ ኣፍሪካ “ድሕንነትን ሉኣላውነትን ጥዕና ኣፍሪካ፤ ካብ ፅገኝነትን ተቓላዕነትን ኣፍሪካ ናብ ዋንነትን ፅንዓትን ዝግበር ስግግር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዑዎ መኽፈቲ መደረ፤ ሓባራዊ ምርድዳእ ክብፀሐሎም ዝግባእ ሰለስተ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ኣቕሪቦም።
ብዙሓት ዜጋታትና ፍሉይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ሕዚ እውን ነዊሕ ርሕቀት ይጓዓዙ ኣለዉ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ስለዚ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ቀዳማይ ጉዳይ፣ ማእኸላት ልዑል ብቕዓት ሕክምና ምምዕባል ምዃኑ ኣብሪሆም።
ካልኣይ ጉዳይ ኣብ ኣፍሪካ ንዝፈርዩ ፅሬት ዘለዎም መድሓኒታትን ናውቲ ሕክምናን ዘተኣማምን ጠለብ ዕዳጋ ንምፍጣር ዓቕሚ ዕድጊት እታ ኣህጉር ምእካብ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
እዚ ድማ ውሽጣዊ ኣፍረይቲ ብሰፊሑ ኢንቨስት ክገብሩን ዓቕሚ ምፍራዮም ከዕብዩን ከም ዘኽእሎም ገሊፆም።
ተሓታትነት ምርግጋፅ ካልእ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ትልምታትና ናብ ተግባር ኣብ እንቕይረሉ እዋን ጥቡቕ ተሓታትነት ከነረጋግፅ ኣለና ኢሎም።
ንሕድሕድ ቃል ኪዳን ብግልፂ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል፣ ዝተረጋገፀ በጀት ከምኡ እውን ደረጃ ዕቤት ንምግምጋም ዝተቐመጠ መደብ ግዜን ክህሉ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።
ዓወትና ክምዘን ዘለዎ ዜጋታትና ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዝረኽብዎ ኣገልግሎት ጥዕና ብዝርአ ጭቡጥ ምምሕያሽ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ብሃይለማርያም ተገኝ