ንኣፍሪካውያን ኣብ ሓደ ቦታ ናይ ምእካብ ተግባራ እናደልደለት ዝመፅአት ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥዕና ህዝቢ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ተኸፊቱ።

እዚ ጉባኤ ርእሰ ከተማ ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ ኣብ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ፤ ማእኸል መእከቢት ኣፍሪካውያን ምዃና ዘረጋገፀ እዩ።

ከምዚኦም ዝበሉ ጉባኤታት ካብ ልሙድ ኣኼባ ዝዓዘዘ ልዑል ረብሓ ኣለዎም። ሎሚ ንግሆ ጥራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሴራሊዮን ጁሊየስ ማዳ ቢዮ፣ ምስ ፕሬዚዳንት ቡሩንዲን ኣቦ ወምበር ሕብረት ኣፍሪካን ኤቫሪስት ንዳይሺማዬ፣ ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ሕቡራት ኤምሬትስ ዓረብ ሼኽ ሻክቡት ቢን ናህያን ኣል ናህያን ከምኡ እውን ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ዩጋንዳ ጄሲካ ኣልፖ ተዛቲዮም።

እቶም ዝተኻየዱ ዘተታት ክልተኣዊን ዞባዊን ርክባት ንምጥንኻር፣ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ንምስፋሕን ቅዋም ኢትዮጵያ ንምርግጋፅን ምቹው ዕድል ይፈጥሩ። ካብዚ ብተወሳኺ ብዙሓት መራሕቲን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ሓደ ቦታ ምርኻብ፣ ብውልቀ ዑደታት ክርከብ ዘይክእል ግዘን ወፃኢን ዝንኪ እዩ።

“ድሕንነትን ሉኣላዊነትን ጥዕና ኣፍሪካ፤ ካብ ፅግዕተኛነትን ተቓላዕነትን ጥዕና ናብ ዋንነትን ፅንዓትን ዝግበር ስግግር” ብዝብል መሪሕ ቃል ምክያድ ዝጀመረ 5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥዕና ህዝቢ ኣፍሪካ ልዑል ትርጉም ዘለዎ መድረኽ እዩ።

መሪሕ ሓሳብ እቲ ጉባኤ ምስ ኣንፈት ልምዓት ኢትዮጵያ ዝሳነ እንትኸውን፤ ካብ ፅግዕተኛነት ናብ ዋንነት ምስግጋር ማለት ኣፍሪካ መድሃኒታትን ክታበታትን ባዕላ ክትፍሪ፣ ስርዓት ጥዕናኣ ብዓቕማ ክትሃንፅን ንለበዳታት ኣቐዲማ ክትዳሎን ምግባር እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮግራም ኤክስቴንሽን ጥዕና፣ ስልጠና ሰብ ሞያን ምፍራይ መድሃኒታትን ዘጥረየቶ ተሞክሮ እትካፈለሉ፣ ካብ መሻርኽታ ድማ ኢንቨስትምንትን ቴክኖሎጂን እትስሕበሉ መድረኽ ክኸውን እዩ። እዚ ድማ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምርግጋፅ ይሕግዝ።

ኣዲስ ኣበባ ብብቕዓት ብዙሓት ጉባኤታት እተተኣናንግድ ከተማ እያ። እዚ ብቕዓት ኣብ ምሕንፃፅ ኣጀንዳ እታ ኣህጉር ኢትዮጵያ ዘለዋ ፅልዋን ተሰማዕነትን የዕቢ። እዚ ዲፕሎማስያዊ ተሰማዕነት ድማ ብራዊ ረብሓ ኣብ ምርግጋፅ ልዑል ግደ ይፃወት።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ዘፈራት ኣገልግሎት ሆቴል፣ ትራንስፖርት፣ ቱሪዝምን ካብ ፍሰት ተሳተፍቲ ተጠቀምቲ ይኾኑ፤ ሸርፊ ወፃኢ እውን ይርከብ። ካብ ጀበና ቡን ክሳብ ዓበይቲ ሆቴላት ዘለዉ ንግዳዊ ንጥፈታት ይነቓቕሑ።

ተኸታተልቲ ጉባኤታት ብብቕዓት ምምራሕን ውፅኢቶም ናብ ጭቡጥ ሃገራዊ ረብሓን ምቕያር ድማ ኣብ ቅድሜና ዝፅበየና ቀንዲ ተግባር እዩ፡፡

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብኣፈወርቅ እያዩ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment