ህዝቢ ዝሃበና ሓላፍነት ንምውፃእን ዝኣተናዮ ቃል ንምፍፃምን ብትግሃት ክንሰርሕ ኢና – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝቢ ብመገዲ መረፃ ዝሃበና ሓደራ ንምውፃእን ዝኣተናዮ ቃል ብትኽክል ንምፍፃምን ብትግሃት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ።

ጨፌ ኦሮሚያ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ 7ይ ዘበን ስራሕ ናይ 2019 ዓመት ቀዳማይ ጉባኤኡ፤ ንኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዳግም ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምግባር ሾይሙዎም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ቃለ ማሕላ ድሕሪ ምፍፃሞም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ህዝቢ ዝሃበና ሓላፍነት ብግቡእ ንምውፃእን ዝኣተናዮ ቃል ንምፍፃምን ብትግሃት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ሓደራ ህዝቢ ብኣምር መንግስቲ መደመር ንምምራሕን ናብ ውፅኢት ንምቕያርን ትኹረት ሂቦም ከም ዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተመዝገቡ ዓወታት ንምቕፃልን ሓደሽቲ ትልሚታት ብምትግባርን ተረባሕነት ህዝቢ እቲ ክልል ንምድንፋዕ ብሓባር ከምዝሰርሑ ኣመልኪቶም።

ኣብ ከተማን ገፀርን ዝካየዱ ስራሕቲ ልምዓት ብዝበለፀ ብምጥንኻር ሓፈሻዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢሎም።

ዝተጀመረ ሓፈሻዊ ጉዕዞ ልምዓት ዘተዓናቕፉ ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ከም ዝሰርሑ እውን ኣፅንኦት ሂቦም።

Comments (0)
Add Comment